ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትግራይ ብክንክንን ምሕዋይን ከባቢ ሜዳልያ ወርቂ ሕ/ሃ ተሸሊማ


ዝሓወየ ከባቢታት ትግራይ
ዝሓወየ ከባቢታት ትግራይ

‘ንዝዓረቑ ንከባቢታት ብምሕዋይን ህዝባ ርእሶም ንክምግቡ ብምኽኣልን ትግራይ ኣብነታዊ ፖሊሲ ኣተኣታትያን ተግቢራን ተባሂላ'ያ ብሕ/ሃ ሜዳልያ ወርቂ ተሸሊማ።

ትግራይ ናብ’ዚ ክብሪ’ዚ ዝበቅዐት ናይ ሕቡራት መንግስታት ወፍሪ ጸረ ምግፋሕ በረኻነትን ዓለም ለኸ ቤት ምኽሪ መጻኢ ጊዜን ኣብ ዘካየድዎ ውድድር’ዩ።

ብዛዕባ እቲ ሽልማት ሜዳልያ ወርቂ ሪኢቶኦም ዝተሓተቱ ሓላፊ ቢሮ ሕርሻ ክልል ትግራይ ዶ/ር ኣትንኩት መዝገቡ ‘እቲ ሽልማት ተወሳኺ ስንቂ’ዩ ዝኾነና’ ኢሎም።

ኣብ ትግራይ ህዝቢ ኣብ’ዘን ዝሓለፋ 14 ዓመታት 900 ሚልዮን ኩንታል ሓመድን እምኒን ጸይሩ ኣብ ስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን ከምዘውዐለ እቲ ዜና ይሕብር።

ከምውጽኢት ንዓመታት ዝዘለቀ ጻዕሪ ‘ኣብ ትግራይ ጥርሑ ተሪፉ ዝነበረ 1.2 ሚልዮን ሄክታር መርየት ሎሚ ብኣግራብ ተሸፊኑ ይራኣይ፣ ዝነቀጹ ፈለጋት ማይ ክነትዑ ጀሚሮም፣ ፍግረ መርየት ነክዩ፣ ኣንቆልቒሉ ዝነበረ መጠን ዝጠራቐም ማይ ይውስኽ ኣሎ፣ ህዝቢ እኽሊ ኣፍርዩ ንርእሱ ክምግብን ኣታዊኡ ክውስኽን ኪኢሉ ኣሎ’ ይብል ዓለም ለኸ ቤት ምኽሪ መጻኢ ጊዜ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:02:12 0:00

XS
SM
MD
LG