ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ዕቀባ ሓመድን ማይን ብኣብነት ዝጥቀስ'ዩ ተባሂሉ


ዩኒቨርስታት መቐለን ቤልጅየምን ሓቢሮም ይመራመሩ

ኣብ ትግራይ ኣብቶም ዝሓለፉ 20 ዓማውቲ ዝካየድ ዘሎ ዕቀባ ሓመድ፣ማይን ዳግመ ግረባን ኣብ ዕቑር ሃፍቲ ማይ ከርሰ ምድሪ ርኡይ ለውጢ ከምዝተመዝገበ ኣብዚ ዓውዲ ትምህርቲ መፅናዕትን ምርምርን ዘካየዱ ሊቃውንቲ የረድኡ።

እቲ መፅናዕቲ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ምስ ኣብ ቤልጅየም ዝርከባ ዩኒቨርሲታት ኣብቶም ዝሓለፉ 10 ዓማውቲ ዝተኻየደ እዩ። ብፍላይ ነቲ ኣብ መንጎ ዩኒቨርሲቲ መቐለን ቤልጅየማዊ ዩኒቨርሲቲ ሉቨን ብምትሕብባር ዝግበር መፅናዕቲ ዝመርሕዎ ፕሮፌሰር ሰፔ ዴከርስ ይባሃሉ።

ፕሮፌሰር ሰፔ ምስ ኢትዮዽያ ዘለዎም ሌላ ካብ ብኣቆፃጽራ ፈረንጂ1985 ዓ/ም ይጅምር። ቀንዲ ጠመተኦም ኣብ ምዕቃብ ማይን ምግዳብ ሓመድን ኮይኑ ምስ ሓረስቶት ብተግባር ዝካየድ መፅናዕትን እዩ።

“ብ1985 ዓ/ም ናብ ትግራይ እንትመፅእ ዓመት ምሉእ ዝፀንሑ ዋሓዝቲ ሩባታት ጎዳጉዲታት ማይ ኣብ ሓጋይ ይነፅፉ ነይሮም። ሎሚ ኣብ እዋን ክራማት ኮነ ሓጋይ ከይነፀፉ ዝዘልቁ ሩባታት ቁፅሮም ይውስኽ’ሎ።ኣብ ትግራይ ዝተመዝገበ ውፅኢታዊ ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ንዓለምና ብኣብነት ክጥቀስ ዝኽእል’ዩ” ይብሉ።

እቲ ዝካየድ ዘሎ መፅናዕቲ ዓለምለኻዊ ዋዕላ ሊቃውንቲ ማይ ቀሪቡ ይግምገም ምህላው እውን ተፈሊጡ እዩ።

XS
SM
MD
LG