ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መደብ ቂሐ-ፅልሚ ምስ ሓምየን ወግዒ ኣካይዳ


ውርሻ ናይ ወለድና እዩ ይብላ እተን ኣጋይሽ

ኣብ ትግራይ ሓሜን ኣብ ኣውደ ኣመት ገዛ ገዛ ብምዝዋር ወዲሰን ገንዘብ ይረኽባ። ግርማይ ገብሩ ኣብ ከተማ መቐለ ረኺቡ ዝሓተተን ካብ እንደርታ ዝመፃ ክልተ ሓሜን ካብ ወለድና ኢና ወሪስናዮ ይብላ። ወለድና ኣደይ ማርያም ወዲስኩም ሰብ አሐጕስኩም ንበሩ ኢለን መሪቐነኦም እየን ይብሉ።
ሓሜን ዝብል መፀውዒ ኣብ ትግራይ ዝተፈለየ ሽም እውን ኣለዎ፤ ኣብ ደቡብ ትግራይ ዋጦት ተባሂለን ይፅዋዓ። ሓሜን ምስ ዋጣ እያ ሓዳር ትገብር።
ኣብ እዋን ቀውዒ ጎጎ ዓመትና መፅባዓና ሃባና ኢለን እኽሊ ይወሃባ። ቀደም ሓሜን ወዲሰን ተዘይተዋሂበን ተፃሪፈን ይኸዳ ነየረን፤ ሎሚ ወላ እውን ተዘይተዋሃብና ኣይንፃረፍን ይብላ።
ሓሜን ንዝፈልጠኦ ኮነ ንዘይፈለጠኦ ብግጥሚ ኣቢለን ይውድሳ። መብዛሕቲኡ ግዜ ክልተ ኮይነን ይኸዳ። ደቀን እንተደልዮም ናይ ወለዶም ተዘየለ ናይ ባዕሎም ድሌት ክሕዙ ናፃ መሰል ኣለዎም ይብላ።

XS
SM
MD
LG