ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ባህላዊ ስነ ስርዓት ቀብሪ ኣብ ትግራይ


ስነ ስርዓት ቀብሪ ይሕመቕ ይፀብቕ ሓደ ኣካል ባህላዊ ትሕዝቶ ህዝቢ ትግራይ እዩ። ኣብ ትግራይ ሰብ እንትመውት ብኣውያትን ብጥሩምባን ዳሃይ ሞቱ ይንገር። ዝሰመዐ ሰብ ከካብ ዘለዎ ናብ እንዳ ሞዋቲ ወይ ካዓ እንዳ ሑዙናት ይእከብ

ስነ ስርዓት ቀብሪ ይሕመቕ ይፀብቕ ሓደ ኣካል ባህላዊ ትሕዝቶ ህዝቢ ትግራይ እዩ። ኣብ ትግራይ ሰብ እንትመውት ብኣውያትን ብጥሩምባን ዳሃይ ሞቱ ይንገር። ዝሰመዐ ሰብ ከካብ ዘለዎ ናብ እንዳ ሞዋቲ ወይ ካዓ እንዳ ሑዙናት ይእከብ።

ስነ ስርዓት ቀብሪ ብፍትሓት ይጅመር። ካብ ገዛ ሞዋቲ ክሳብ ቤቴ ክርስትያን ካብ 5 ክሳብ 7 ፍትሓት ይህሉ። ሬሳ ቅድሚ ካብ ገዛ ምውፃኡ ዝግበር ፍትሓት ሊቃውንቲ(ደፋትር) መዋስእቲ ካህናት ቃል ኣትናትዮስ ዝባሃል ፍትሓት የካይዱ። እዚ ወጋሕታ ሰዓት 11 ይጅመር።

ቀሺ ኪሮስ በርሀ “ሰብ ክምርዖ እንከሎ ደረፍቲ ተልሃይቲ ከብሮን ጭራን ይህሉ። ምስ ሞተ ድማ ብኽብሪ ይስነ። እዚ ድማ ከካብ ኣድባሩ ዝመፀ መስቀል ምስ ፅላሉ፣ ግምጃን ድባብን ብእምብልታ ታዓጂቡ ደሚቑ ይስነ’’ ኢሎም።

ብመሰረት እምነት ሃይማኖት ኣርቶዶክስ ሰብ እንትመውት ሰለስተ ግዜ ጥራሕ እዩ ዝብከ። ሓደ ነብስን ስጋን እንትፈላለያ፣ ሬሳ ካብ ገዛ እንትፋኖ እንተሎን ወሪደ መቓብር(ሓመድ ድበ ክለብስ እንተሎ) ሙኻኑ ቀሺ ኪሮስ።

ንሞዋቲ መቐደሲኡ ቅድሚ ቅድሚ ሬሳ ብኣድጊ ተፃዒኑ ዝኸይድ እኽሊ መራሒ ሬሳ ይባሃል።

ድሕሪ ሓመድ ድበ ኣብ ውሽጢ መረባ ቤተ ክርስትያን ታርኽ ሂወት ሞዋቲ ይንበብ። ቅዳሰን ኣስተምህሮን ብሊቃ ውንቲ ቤተ ክርስትያን ይወሃብ።

ኣብ መወዳእታ ቀበርቲ ፅንዓት ይሃባትኩም ብምባል ንሑዙናት ብምፅንናዕ ዓዲ ዓዶም ይኸዱ። ሕዙናት ድማ ክፉእ ወይ ድማ ሕማቕ ኣይሃባትኩም ብምባል ምስግና ይገልፁ። በዚ ድማ ስነ ስርዓት ቀብሪ ይፍፀም።

XS
SM
MD
LG