ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጉባኤ ህወሓት ንዝነጸጉ ኣባላት ጻውዒት የቕርብ፡ ዝተሓወሰ ግን የሎን


ሎሚ ዓርቢ ራብዓይ መዓልቱ ሒዙ ዘሎ መበል 14 ውድባዊ ጉባኤ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ካብ በበይኑ ኣካላት ነቕፌታ ዝገጥሞ ዘሎ ኰይኑ፡ ኣካየድቲ ግን እቲ ውድብ ገጢሙዎ ካብ ዘሎ ዝኸፍአ ቅልውላው እቲ እንኮ መፍትሒ ምዃኑ ይምጕቱ። ስለዚ ከኣ’ዩ እቲ ጉባኤ ነቶም ካብ ተሳትፎ ዝበዀሩ 14 ኣባላት ማእከላዊ ኮሚተ ሓሳባቶም ብግልጺ ክገልጹ ዝጽውዕ ዘሎ። “ቀዳምነታት ህዝቢ ካልእ’ዩ ዘሎ፡” ዝብል መርገጺ ዘለዎም ወገናት ግን ኣድላይነት እቲ ጻውዒት ኣይተረድኦምን፡ ሓሳባቶም’ውን ኣይለወጡን።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG