ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መስርሕ ምትኽኻእ ኣብ ህወሓት መዘራረቢ ኮይኑ (2ይ ክፋል)


ኣማኑኤል ገብረትንሳኤ
ኣማኑኤል ገብረትንሳኤ

‘ጉዕዞ ህዳሴ ኢትዮጵያ ካብ 40 ክሳብ 50 ዓመታት ክወስድ’ዩ’ ዝብል ኣቶ ኣማኑኤል ገብረትንሳኤ ‘ብሓደ ወለዶ ዘይውዳእ ነዊሕ መገዲ ስለዝኾነ ከምዱላ ቅብብል’ዩ’ ይብል።

ኣገባብ ናይ መራሕቲ ምትኽኻእ ብመሰረት እቲ ውድብ ንነዊሕ ዘመናት ዝተግበሮም ኣሰራርሓት ይኸይድ ከምዘሎን ይቀየር ዝባሃል እንተኾይኑ’ውን ሕገ-ስሪት’ቲ ውድብ ብምቕያር ጥራሕ ክትግበር ከምዝግባእን ክሳብ ሽዑ ግና ዲሞክራሲያዊን ሕጋዊን’ዩ ይብል ኣቶ ኣማኑኤል።

‘ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ምስ ሓደ መንነቱ ዘይተፈልጠ ሃብታም እስረኛ ተታሓሒዙ ዝዝረብ ዘሎ ነገር ድማ ኣዝዩ ዘሕፍርን ዘዋርድን’ዩ’ ክብል ከምዝገለፆ ዝዝከር’ዩ። እቲ ባዓል ሃብቲ፣ሃብታም ስለዝኾነ ጥራሕ ገበነኛ ተባሂሉ እሱር ኮይኑ እናሃለወ፣ ኣብ ደገ ከምድልየቱ እናወፀ ንክንቀሳቀስ ከምዝተፈቀደሉን፣ ሃንደበት ንሰብ ብመኪና ገጭዩ እንደገና ከምዝተኸሰሰን፣ኢህወዴግ ዘካየዶ መፅናዕቲ ኣቃሊዑ’ዩ።

እቲ መፅናዕቲ ወግዓዊ ካብ ዝኾነሉ ጊዜ ንነዘ ኣብ ዘሎ ጊዜ'ውን እንተኾነ፣ዝምልከቶ ክልላዊ ድዩ ፈደራላዊ መንግስታዊ ቤት ፅሕፈት ብዛዕብኡ ንህዝቢ ዝሃቦ ተወሳኺ ሓበሬታ የለን።

please wait

No media source currently available

0:00 0:09:36 0:00
1ይ ክፋል ቃለ-መጠይቅ ምስ ኣቶ ኣማኑኤል ገ/ትንሳኤ
please wait

No media source currently available

0:00 0:11:02 0:00

XS
SM
MD
LG