ብዛዕባ‘ቲ መጥቃዕቲ’ቲ ሪኢቶኦም ንቪኦኤ ዝሃቡ ኣባል ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ኣቶ ቴድሮስ ሓጎስ፣ “መንግስቲ ኤርትራ ንመረፃ ግንቦት ንምፅያቅ ክንዲ ዓቅሙ ዘፍቀደሉ ይሰርሕ ከምዘሎን፣ነዚ ዕላማ‘ዚ ንምዕዋት ይጠቅሙኒ‘ዮም ዝበሎም ከም ዴሞክራስያዊ ምንቅስቃስ ህዝቢ ትግራይ ኢሉ ስም ዝለጠፈሉ ውድብ፣ግንባር ሓርነት ኦሮሞ(ኦነግ)ን ግንባር ሃርበኞችን ከም ብሓድሽ ወዲቡን ዓሊሙን ናብ ወፍሪ ቀሪብዎም ከምዘሎ ብቴሌቭዥን ኣዊጁ‘ዩ” ኢሎም።
ብመንግስቲ ኢትዮዽያ ንዝቀረበ ክሲ መልሲ ዝሃቡ ምንስቲር ዜና ኤርትራ ኣቶ ዓሊ ዓብዱ ብወገኖም ፡ “ህዝቢ ኤርትራ፣ኣብ‘ቲ ዝኸበደ ናይ ቃልሲ እዋን‘ውን እንተኾነ፣ከምኡ ዓይነት ኣገባብ ቓልሲ ተጠቂሙ ኣይፈልጥን።ምኽንያቱ ፖለቲካዊ ባህሉን ፖለቲካዊ ስነ-ኣእምሩኡን፣ኣብ ከም‘ዚ ዓይነት ናይ ድኹማት ፅምዶ ክኣቱ ኣይደልን‘ዩ “ ኢሎም።
ወሃቢ-ቃል እቲ ድምህት ተባሂሉ ዝፅዋዕ ውድብ ኣቶ ግደይ አሰፋ ፡ካብ ኤርትራ ኮይኖም ኣብ ዝሃብዎ ሪኢቶ፣ “ንሕና ኣብ ከምኡ ዓይነት ተግባር ንኣቱ ኣይኮናን።ንሕና ንህዝብና ኢልና ኢና ንቃለስ ዘለናን፣መስዋእቲ ንኸፍል ዘለናን።ካብኡ ሓሊፉ ኣብ‘ዚ ሕሱር ዝኾነ ተግባር ኣይንዋፈርን።መሃዚኡን ፈፃሚኡን ባዕሉ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት‘ምበር ውድብና ኣብ ከም‘ዚ ዓይነት ስራሕ ኣይኣቱን” ዝብል ምላሽ ሂቦም።
ንምሉእ ትሕዝትኡ፡ ኣብ ጎኒ ንዘሎ ናይ ድምጺ ፋይል ክፈቱ።