ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንፉዓት ተምሃሮ ሃፀይ ዮሃንስ ተሸሊሞም


ቁጽሪ ንፉዓት ተምሃሮ ንምውሳኽ መንግስትን ወለድን ኣብ ትምህርቲ ጠመተ ክገብሩ ርኢቶ ሂቦም

ኣብ ትግራይ ኣብ መቐለ ቤት ትምህርቲ መሰናድኦ ሃፀይ ዮሃንስ ዝማሃሩ ንፉዓት ተምሃሮ መተባብዒ ሽልማት ተዋሂብዎም:: ቁጽሪ ንፉዓት ተምሃሮ ንምውሳኽ መንግስትን ወለድን ኣብ ትምህርቲ ጠመተ ክገብሩ ርኢቶ ሂቦም::

ኣብ ዓስራይ ክፍሊ ሃገራዊ ፈተና ምሉእ 4 ነጥቢ ዘመዝገበ ተምሃራይ ናሆም በረከት “ብዙሓት ተማሂሮም ስራሕ ስለዘይረኽቡ ዝበዝሑ ተምሃሮ ብትምህርቶም ንኸይነፍዑ ከም ምኽንያት የቕርቡ” ይብል::

ኣስካል ገብረስላሰ ብወገና ስራሕ ገዛን መፅናዕትን ብትልሚ ስለ ትመርሖ ስራሕ ገዛ ጽዕንቶ ከምዘይኾና ትገልጽ::

ኣብ ቤት ትምህርቲ ሃፀይ ዮሃንስ ቤተ መፃሕፍቲ ዝርከቡ መፃሕፍቲ ዝኣረጉን ዝተቐደዱን እዮም ስለዚ ብሓደሽቲ መጻሕፍቲ ክትክኡ ይግባእ ብምባል ርኢትኡ ዝሃበ ኣብ ዓሰርተ ሓደ ክፍሊ 92 ነጥቢ ኣምዝጊቡ ቀዳማይ ብምውፅኡ ዝተሸለመ ተምሃራይ ፉኣድ ኣሕመድ እዩ::

ሰለስቲኦም ኣብ ዩኒቨርስቲ ሞያ ሕክምና ክማሃሩ ከምዝደልዩ ይገልፁ:: ነዚ መልዐሊ ኢሎም ዝገልጹዎ ነቲ ኣብ ኢትዮጲያ ዘሎ ክፍተት ዋሕዲ ሰብ ሞያ ጥዕና ብምምላእ በቲ ሞያ ግቡኦም ክፍፅሙ ልዑል ድሌት ከምዘለዎም ይዛረቡ::

XS
SM
MD
LG