ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ምስ ምርጫ ትግራይ ኣተኣሳሲሩ ዘሕልፎ ውሳነ፣ ማዕረ ኣዋጅ ኩናት'ዩ ዝቁጸር' ኢሉ ፈጻሚ ስራሕ ቤት ምኽሪ ትግራይ


መግለጺ ፈጻሚ ስራሕ ቤት ምኽሪ ትግራይ
መግለጺ ፈጻሚ ስራሕ ቤት ምኽሪ ትግራይ

መንግስቲ ክልል ትግራይ ሎሚ ምሸት ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ ‘ምቅርራባት ቅድመ መረፃ፣ ሕግን ስርዓትን ተኸቲሎም ይዛዘሙ ኣለው። ዝተርፍ ተግባር፣ መረፃ ምክያድን ብውሳነ ህዝቢ መንግስቲ ምምስራትን ይኸውን’ ይብል።

ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን፣ ከይዲ መረፃ ትግራይ ደው ክብል እንተዘይኾይኑ ሕጋዊ ስጉምቲ ክወስድ ከምዝግደድ ኣፍሊጡ ነይሩ። ክልል ትግራይ ብወገኑ፣ ነቲ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ዝተልኣኸ ደብዳበ መልሲ ከምዝሃበ'ውን ናይ ሎሚ መግለጺ ይሕብር።

ፈጻሚ ስራሕ ቤት ምክሪ ትግራይ ኣብ መግለጺኡ 'ቤት ምክሪ ፈደረሽን ብዘይተለመደ ኣግባብ ኣጀንድኡ ዘይፍለጥ ህፁፅ ኣኼባ ፀዊዑ ይርከብ። ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝተፅሓፈ ናይ መልሲ ደብዳበ ብግልፂ ከምዘቐመጦ ንክልላዊ መረፃ ህዝቢ ትግራይ ንምትዕንቓፍ ዝመሓላለፉ ዝኾነ ይኹን ውሳነ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ክፍለጥ ይግባእ’ ይብል።

'ምርጫ ትግራይ፣ ብዝለዓለ መንፈስ፣ ድሌትን ልዑል ተሳትፎን ንኹሉ ግልፂ ብዝኾነ ኣግባብ ንምፍጻም ጫፍ ኣብ ዝበፅሓሉ እዋን፣ ከይዲ መረፃ ንምትዕንቓፍ ብፌደራል መንግስቲ ዝግበር ዝኾነ ይኹን ኢድ ኣእታውነት ኣብ ናይ ሃገር ህልውና ሓደጋ ዘምፅእ ከምዝኾነ ክፍለጥ ይግባእ’ ይብል መግለጺ ስራሕ ፈፃሚ ብ/ክ/መ/ትግራይይብል።

እቲ ፈጻሚ ስራሕ ካብ ዘሕለፎም ውሳነትት ገሊኦም፣ 6ይ ክልላውን ከባብያውን መረፃ ብዝኾነ ይኹን ኢድ ኣእታውነትን ፀቕጥን ንሰከንድ እውን ደው ክብል ከምዘይኽእል ደጊምና ነረጋግፅ፣ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን፣ መረፃ ትግራይ ዝኾልፍ ይኹን ዝኾነ ዓይነት ዕንቅፋት ዝፈጥር ውሳነ እንተሕሊፉ ማዕረ ናይ ኹናት ኣዋጅ ምዃኑ ፈሊጡ ካብ ከምዚ ዝበለ ታሪኻዊ ጥፍኣት ንባዕሉ ክቑጠብ ኣጥቢቕና ነተሓሳስብ፣ ንውሳነ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ስዒቡ ዝመፅእ ግብረ መልስን ጉድኣትን፣ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽንን ቀ/ሚኒስትር ሃገርን ተሓተትቲ ከምዝኾኑ ንኹሉ ፈታውን ፀላእን ግልፂ ክንገብር ንፈቱ፣ ማሕበረሰብ ዓለም ብወገኑ፣ ንዕዉትነት እቲ መረፃ ቲተረዲኡ ድጋፍ ክገብርን መረፃ ንምትዕንቓፍ ዝግበር ኢድ ኣእታውነት ክኩንንን ፀቕጢ ክፈጥርን ሓላፍነቱ ክዋጻእ ፃውዒትና ነቕርብ’ ዝብሉን ካልኦትን ነጥቢታት ዝሓዘ መግለጺ ኣውጺኡ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG