ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ብወዛ ኣባላት ካቢነ (2ይ ክፋል)


Tigray Region
Tigray Region

ክልላዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ’ዚ ቀረባ ኣብ ዝጸወዖ ህጹጽ ኣኼባ፣ ነቶም ብፕረዚደንት’ቲ ክልል ኣቶ ኣባይ ወልዱ ዝቀረብሉ 6 ሕጹያት ኣባላት ካቢነ ከምዝተቀበለ ዝዝከር’ዩ። ንሕና’ውን ትሕዝቶን ትርጉምን’ቲ ሹመት ኣማእኪልና፣ ተኸታተልቲ መደባት ኣብ ምቅራብ ንርከብ።

ኣቶ ኣብራሃ ደስታ ‘እቶም ዝተሾሙ ሙሁራት ነቲ ዝተበላሸው ስርዓት ክቅይርዎ ድዮም ወይስ ንሳቶም’ውን ሓቢሮም ክበላሸው?’ ክብል ከሎ ኣቶ ያሬድ ዓለምሰገድ ድማ ‘ንምንታይ’ዳኣ ተመሪጾም ዝብል ሕቶ’ዩ ክስዕብ ዘለዎ፣ እቶም ሙሁራት ብዝተማሃርዎ ዓቅሚ ብመሰረት ዘለዎም ሕገመንግስታዊ ኣፍልጦ ዝመጹ ስለዝኾኑ ንትጽቢት ህዝቢ ከማልኡ’ዮም’ ይብል።

‘እዞም ሙሁራት ዝተማሃርዎ ዝጠቅም ፍልጠት ገዲፎም፣ ንወያናይ ዴሞክራሲያዊ ኣተሓሳስባ’ዮም ክትግብሩ ዝግደዱ’ በለ ኣቶ ኣብራሃ። ኣቶ ያሬድ ብወገኑ ‘ከም’ቲ ልሙድ ወያናይ መስመርና ዝለመዶ ብገምጋምን ብነቀፌታን እናተኣረመ ዝመጽን ዝስተኻኸልን ስከዝኾነ ክሰግኡ የብሎምን ኣቶ ኣብራሃ’ ኢሎም።

መወዳእታን ዛዛሚን ክፋል’ዚ ክትዕ’ዚ ሶኒ ሒዝናልኩም ክንቀርብ ኢና።

please wait

No media source currently available

0:00 0:11:02 0:00


XS
SM
MD
LG