ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብወዛ ኣባላት ካቢነ ትግራይ ውጽኢታዊ'ዶ ይኾን?


mekelle
mekelle

ክልላዊ ምምሕዳር ትግራይ፣ ድሕሪ ዘካየዶም ተኸታተልቲ ገምጋማት ንህጹጽ ኣኼባ ጸዊዑ 6 ሓደሽቲ ኣባላት ካቢነ ሾይሙ ከምዝተፈላለየ ዝዝከር’ዩ።

ኣቶ ኣብራሃ ደስታ ‘መንቀሊ’ቲ ጸገም ውሽጣዊ ጸገምን ስርዓታዊን’ዩ ስለዝኾነ መፍትሒኡ ድማ ስርዓታዊ’ዩ’ ክብል ከሎ፣ ኣቶ ያሬድ ዓለምሰገድ ብወገኑ ‘ህዝቢን መንግስቲን ትግራይ፣ መበገሲ’ቲ ጸገም ምርጣጥን ንውልቀ ረብሓካ ስልጣን ምጥቃምን’ዩ’ ኢሎም’ዮም ወሲኖም ስለዚ እቲ ለውጢ ግቡእ’ዩ ይብል።

ገዛኢ ፓርቲ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ብብልሽውና ዝተበላሸወ ስለኾነ ካብ ደገ ዝኣተው ሒደት ሰባት ዝሕድስሉ ኩነታት የለን ባሃሊ’ዩ ኣቶ ኣብራሃ። ኣቶ ያሬድ ግና ዝተፈለየ ኣረኣእያ ኣለዎ። ‘እዞም ዝተሾሙ ኣባላት ካቢነ ነቲ ዝድለይ ለውጢ ኣብ ምዕዋት ሓገዝቲ’ዮም’ ባሃሊ’ዩ።

ብዛዕባ’ቲ ሹመት ኣባላት ካቢነን ህልዊ ኩነታት’ቲ ክልልን ኣመልኪትና ክልተ ተኸታተልቲ ክትዓት ከምዘቅረብናልኩም ይፍለጥ። ካብ ቢሮ ርክብ ህዝቢን መንግስቲን ኣቶ ያሬድ ዓለምሰገድን ካብ ዓረና መድረክ ኣቶ ኣብራሃ ደስታን። በትረ ስልጣን’ዩ ዓዲምዎም።

please wait

No media source currently available

0:00 0:11:12 0:00

XS
SM
MD
LG