ኣብ መንጎ መሪሕነት ውድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ንዘሎ ዘይምርድዳእ ንምፍታሕ ድሕሪ ኣስታት ክልተ ኣዋርሕ ዝወሰደ ሽምግልና፡ ክልተኦም ኣካላት “መምርሒ ስነ-ምግባር” ከም ዘፈርሙ መራሕቲ ሃይማኖት ክልል ትግራይ ሎሚ ዓርቢ ጋዜጣዊ መግለጺ ሂቦም።
እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ሎሚ ወግዓዊ ከም ዝገበሩዎ፡ ኣብቲ ብፕረዚደንት ግዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳን ኣቦ-መንበር ህወሓት ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤልን ዝተፈረመ መረዳድኢ ሰነድ ፍልልያቶም ብዘተን ሰላማዊ መንገዲን ክፍተሑ፡ ጎንጺን ካልእ ተግባራትን ከወግዱ ከምኡ ድማ ፍልልያቶም ብልዝብ ክፈትሑ ዝሕብር’ዩ።
እቲ ሰነድ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ከም ዝተፈረመ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብ መቐለ ኣረዲኡ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ጋዜጣዊ መግለጺ እቶም ኣቦታት ካብ ክልተኦም ወገናት ፈረምቲ ዝተረኽበ ኣይነበረን።
ድምጺ ኣመሪካ ንትግባረ እቲ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙናት ዝተፈረመ “መምርሒ ስነ ምግባር” ኣመልኪቱ ካብ ክልቲኡ ወገን መብርሂ ንምርካብ ዝግበሮ ጻዕሪ ኣይቀንዖን። ነቲ መምርሒ ከም ዝፈረሙ ግን ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብመልእኽቲ ጽሑፍ ንድምጺ ኣመሪካ ኣረጋጊጹ'ዩ።
ቅጥዒ