ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ትግራይ ጥይት ከምዝተተኮሰሎም ይገልጹ፡ ምምሕዳር'ቲ ከባቢ ግን ነዚ ይነጽግ


ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ክልል ትግራይ ኣይተ ሰሎሞን መዓሾ - ፋይል
ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ክልል ትግራይ ኣይተ ሰሎሞን መዓሾ - ፋይል

ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ክልል ትግራይ ኣይተ ሰሎሞን መዓሾ ብመኪና ይጓዓዙ ኣብ ዝነበርሉ እዋን ጥይት ከምዝተተኮሰሎም ይግለፅ ኣሎ።

ጥይት ከምዝተተኮሰሎም ናይ ዝተገለጸ ምምሕዳር ወረዳ ማይቅነጣል ብወገኑ እቲ ጉዳይ ካብ ሓቂ ዝርሓቐ እዩ ኢሉ።

ኣይተ ሰሎሞን መዓሾ ብፕረዚደንት ጊዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ጌታቸው ረዳ ናይ ዝምራሕ ጉጅለ ህወሓት ኣባል ኾይኖም፣ ትማሊ ሰንበት 8 ሕዳር 2017 ካብ ኣክሱም ናብ ከተማ መቐለ ይጓዓዙ ኣብ ዝነበርሉ እዋን ከምዝተተኮሰሎም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ መዘራረቢ ኮይኑ ኣሎ። በቲ ተዂሲ ኣብ ልዕሊኦም ኮነ ምስኦም ዝነበሩ ሰባት ዝበፅሐ ጉድኣት ከምዘየለ ተገሊፁ ኣሎ።

ድምጺ ኣመሪካ መብርሂ ዝሓተቶም ኣይተ ሰሎሞን መዓሾ እቲ ፍፃመ ትኽክል ምዃኑን ኣብ ልዕሊ መኪንኦም ዝበፅሐ ጉድኣት እውን ብስእሊ ከምዝሓዝዎ ገሊፆም። እንተኾነ ግና ተወሳኺ ዝርዝር መብርሂ ካብ ምሃብ ተቖጢቦም እዮም።

ኣብቲ ጉዳይ ካብ ቢሮ ፀጥታን ሰላም ብተወሳኺ እውን ቤት ፅሕፈት ኮምኒኬሼን እቲ ክልል ምላሽ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፃዕሪ ኣይሰመረን።

ተኲስዎም ኣብ ዝተባህለ ወረዳ ማይቅነጣል፣ ናይቲ ወረዳ ኣመሓዳሪ ኣይተ ገብረ ተክለሃይማኖት ብወገኖም ኣብ ኣጋጢሙ ዝተባህለ ፍጻመ ኣየጋጠመን ክብሉ ምላሽ ሂቦም።

“ኣባላት ፀጥታን ፖሊስን እቲ ወረዳ ነቲ ጉዳይ ኣፃርዮሞ እዮም ዝተተኮሶ ሰብ የለን” ኢሎም።

ድምፂ ኣሜሪካ በዛዕባ እቲ ጉዳይ ካብ ካሊእ ነጻ ኣካል ከረጋግፅ ኣይከኣለን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG