መቐለ —
ኣብ ክልል ትግራይ ብምኽንያት ኲናት ስራሕ ካብ ዘቋረፁ ልዕሊ 6,400 ነኣሽቱ፡ ማእከሎትን ዓበይቲን ኣፍረይቲ ትካላትን ኢንዳስትሪታትን እቶም 227 ጥራሕ ናብ ስራሕ ምምላሶም ቢሮ ኢንዳስትሪ እቲ ክልል ገሊፁ። ብዘይካ እቲ ዝወረደ ዕንወት፡ ዳግም ንኸይበራበራ ማሕንቖ ኮይኑ ዘሎ ሕጽረት ናይ ደገ ሸርፊ ምዃኑ ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ወነንቲ ኣፍረይቲ ትካላት ይገልፁ። ናብቲ ክልል ዝተጓዕዙ ምኽትል ሚንስተር ኢንዳስትሪ ኢትዮጵያ ኣቶ ሓሰን መሓመድ ብወገኖም ኣብቲ ጉዳይ ፍሉይ ጠመተ ሂቦም ከም ዝሰርሑ ገሊፆም።
ቅጥዒ