ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመት ኵናት ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝተፈላልዩ መድረኻት ብግልፂ ብማሕበራዊ ሚዲያ ኣቢሉ ይኹን ኣብ ኣኼባታት ሓሳባት ብግልፂ ክውሕዙ ይርኣዩ። ሓሓሊፉ ድማ እቲ ክትዕ ወይ ምልውዋጥ ሓሳባት ምርር ዝበለ’ዩ። እዚ ዘበገሶ ኣብ ገሊኡ ነቲ ኤሊት ዝኸፋፍል ስለ ዝኸውን ነቲ ማሕበረሰብ እውን ክኸፋፍል ይኽእል እዩ ይበዝሕ ኣሎ ክብሉ ብዙሓት ስኽፍቶም ክገልፁ ይስምዑ ኣለው። ገሊኦም ድማ ስልጡን ፖለቲካ ትግራይ ገና ስለዝኾነ ሓሳባት ምውሓዙ ክሰፍሕን ክመርርን ይግባእ ይብሉ። ኣብዚ ንምዝታይ ንኽልተ ኣጋይሽ ዓዲምና ኣለና።
‘’ዝብህጋ ትግራይ’’ ዘርእስታ መፅሓፍ ዝፀሓፈ ኣማኑኤል ኣለማየሁ ካብ መቐለ እዩ። ንሱ ፖለቲካ ትግራይ ገና ድሑርን ኣብ ምጥቕቓን ዝተመስረተን ምስ መንግስትን ፖለቲካን ተጣቢቑ ይቕፅል ዘሎን እዩ ይብል። ካልኣይ ጋሻ ተስፋኪሮስ ኣረፈ ካብ ኣዲስ ኣበባ እዩ። ‘’ዮሃንስ ኣራተኛ’’ ዘርእስታ ብኣምሓርኛ እተፅሓፈት መፅሓፍ ዘሐተመ እዩ። ንሱ ብወገኑ ኣብ ትግራይ ሓቀኛ ፖለቲካ ገና ኣይጀመረን ብቐንድነት ኣብ ስምዒት ዝተመስረተን ብህወሓት ዝተብሓተን ፖለቲካ እዩ ዝካየድ ዘሎ ይብል።
ቅጥዒ