ኣባላት ፖሊስ ትግራይ ነበር ሕቶታት የቕርቡ፡ መልሲ ግን ዛጊት ኣይረኸቡን
ካብ በበይኑ ወገናት ክልል ትግራይ፡ ኣስታት ሓደ ሽሕ ዝበጽሑ ኣባላት ፖሊስ ነበር፡ ናይ ልዕሊ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ደሞዞም ስለ ዘይተኸፍሎም፡ ኩነታቶም ክፈልጡ ደጋጊሞም ከም ዝሓተቱ ኣብቲ ሎሚ ኣብ ማእከል ቤት ጽሕፈት ፖሊስ መቐለ ዝገበሩዎ ጻውዒት ኣመልኪቶም። እቶም ፖሊስ ነቲ ደሞዝ ንዘይምኽፋሎም ዝቐርብ ዘሎ ምኽንያት ኣይቅበሉዎን። ግቡእ መልሲ ግን ዛጊት ከም ዘይረኸቡ ይሕብሩ። ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ካብ ፖሊስ ክልል ትግራይ ግብረ-መልሲ ንምስማዕ ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይቀንዐን።
ኢፒሶዳት
-
ታሕሳስ 12, 2024ምርኢት ዲጂታላዊ ስራሓት ኤክስፖ
-
ታሕሳስ 11, 2024ቤተ-ጥበብ ምንያ -- ንተሃድሶን ጥበብን
-
ታሕሳስ 11, 2024ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ጉዳይ ሶርያ
-
ታሕሳስ 10, 2024ሲሃም ዓሊ -- 12 ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ
-
ታሕሳስ 09, 2024ትንታነ - ሶርያ ድሕሪ ኣሰድ ክሕሻ ዲዩ ወይስ ክደግሳ?