መቐለ —
ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ጡረተኛታት ኣብ እዋን ኲናት ዘይተኸፈሎም ውዝፍ ክፍሊት ኣበል ጥሮታ ንክኽፈል ከምዝተወሰነ ሚንስትር ገንዘብ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
ምኽትል ሚንስተር ዶክተር ኢዮብ ተካልኝ ገንዘብ ጡረታ ኣብ ዘይተኣከበሉ እዋን ዝኽፈል ኣበል ጡረታ ብኣሰራርሓን ሕግን እታ ሃገር የለን ዝበሉ ኮይኖም ኮይኑ ግና እቲ ውሳነ ፖለቲካዊ እዩ ኢሎም። ኣብ ከተማ መቐለ ድምፂ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ጡረተኛታት ድማ፡ እቲ ውሳነ ዝዘንገዐ እዩ ብምባል ብህፁፅ ተግባራዊ ክግበር ድማ ሓቲቶም።
ቅጥዒ