No media source currently available
ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ንልዕሊ ሰለስተ ዓመታት ምስ ክልል ትግራይ ርክብ በቲኹ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ርክቡ ዳግም ጀሚሩ ኣሎ። ንዝመጽእ ምርጫ ፈላሚ ዳህሳስ ንምግባር ኣብ መቐለ ዝተረኸበ ጉጅለ እቲ ሃገራዊ ቦርድ፡ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት እቲ ክልል ርክብ የካይድ ኣሎ።