ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ትግራይ 9-ሽሕ ተማሃሮ ናይ 12 ክፍሊ መልቀቒ ፈተና ከምዝወስዱ ተገሊጹ


 ዶ/ር እሸቱ ከበደ ዋና ዳይሬክተር ኣገልግሎት ምዘና ትምህርትን ፈተናታትን ኢትዮጵያ
ዶ/ር እሸቱ ከበደ ዋና ዳይሬክተር ኣገልግሎት ምዘና ትምህርትን ፈተናታትን ኢትዮጵያ

ኣብ ክልል ትግራይ ኣብቲ ኣብ ቀረባ ዝተጀመረ ዓመተ ትምህርቲ'ዚ ዓመት ድሕሪ ሰለስተ ዓመታት ንፈለማ እዋን፣ 9-ሺሕ ተማሃሮ ናይ 12 ክፍሊ ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ከምዝወስዱ ኣገልግሎት ምዘና ትምህርትን ፈተናታትን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቲ ፈተና ኣብዝመፅእ ሰሙን ካብ 29 መስከረም ክሳብ 2 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም ከምዝወሃብ እውን ዋና ዳይሬክተር እቲ ትካል ዶ/ር እሸቱ ከበደ ንድምፂ ኣመሪካ ሓቢሮም። እቲ ካብ ሰሉስ ክሳብ ዓርቢ ኣብዘለው መዓልታት ዝወሃብ ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ኣብ ዩኒቨርሲታት መቐለ፣ ዓዲግራት፣ ራያን ኣኽሱምን ከምዝወሃብ ዝሓበሩ ዶ/ር እሸቱ፣ እተን ዩኒቨርሲታት ነቶም ተማሃሮ ናይ መግብን መደቀስን ኣገልግሎት ንምሃብ ምድላዋተን ከምዝዛዘማ ኣፍሊጦም። ነቲ ፈተና ዘፈፅሙ መማህራን ድማ ካብ ክልል ትግራይ ወፃኢ ካብ ዘለዋ ሸሞንተ ዩኒቨርሲታት ከምዝተመልመሉ ዶ/ር እሸቱ ወሲኾም ሓቢሮም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG