ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ትግራይ ንዝተራእየ ጥምየት ሳዕቤኑ ከቢድ ክኸውን ከምዝኽእል ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣጠንቂቖም


ኣብ ክልል ትግራይ ዝተፈጠረ ጥምየት ጠምተ ተዋሂቡ እተዘይተሰሪሕሉ ብዓሰርተታት ኣሸሓት ዝቑፀሩ ሰባት ህይወቶም ክሓልፍ ከምዝኽእል ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ጌታቸው ረዳ ገሊፆም። ኣብ 52 ጣብያታት እቲ ክልል ብጥምየት ሰባት ከምዝሞቱ ዝገለፀ ድማ ኮምሽን ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ ትግራይ እዩ። እቲ ዝተፈጠረ ጥምየት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝልዓለ ጉድኣት ንከይበፅሕ ኣብ ምክልኽል ዝነጥፍ ክልላዊ ኮሚተ ንምጥያሽ ሎሚ ሰሉስ 5 ታሕሳስ 2023 ዘተ ተኻይዱ'ሎ።

XS
SM
MD
LG