ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተመዛበልቲ ክልል ትግራይ ሰላማዊ ሰልፊ የካይዱ


ተመዛበልቲ ክልል ትግራይ ሰላማዊ ሰልፊ የካይዱ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:53 0:00

ተመዛበልቲ ክልል ትግራይ ሰላማዊ ሰልፊ የካይዱ

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ተወላዶ ክልል ትግራይ፡ ኣብ ሓያሎ ከተማታት ክልል ትግራይ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ከተማታት መቐለ፡ ዓዲግራት፡ ዓድዋ፡ ሽረ፡ ኣኽሱምን ካልእ ቦታታትን ሎሚ ሰሉስ 23 ግንቦት 2023 ሰላማዊ ሰልፊ ኣካዪዶም። ዕላማ እቲ ሰላማዊ ሰልፍታት ተመዛበልቲ ናብ ቦታኦም ክምለሱ፡ ኣቋሪጹ ዘሎ ሓገዛት ግብረ-ሰናይ ክቕጽልን ኣብ ስፍራኦም ዝርከቡ ናይ ደገ ሓይልታት ክወጽኡን ዝሓትት’ዩ።

እቶም ሰልፈኛታት ኣብ ዘስምዑዎ ዝነበሩ ጭርሖታትን ጻውዒትን፡ ግዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፡ ማሕበረሰብ ዓለምን ፈደራላዊ መንግስቲን ንጉዳያቶም ሰሚዑ ቅልጡፍ ምላሽ ክህብ ዝጽውዑ’ዮም። እቶም ሰልፈኛታት ውዕል ፕሪቶሪያ ብምሉእ ክትግበር ዝጸውዑ ኰይኖም፡ ማሕበረሰብ ዓለም እናረስዓና ይመጽእ ኣሎ ክብሉ’ውን ስምዕታኦም ኣቕሪቦም።

ግዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ብወገኑ፡ ነቶም ተመዛበልቲ ውሽጢ ዓዲ ናብ መረበታቶም ንምምላስ ይስራሕ ከም ዘሎ ኣመልኪቱ ኣሎ።

ዝርዝር ጸብጻብ ኣብ ናይ ሎሚ ፈነወ ተኸታተሉ

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG