ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዝበዝሕ ከባቢታት ትግራይ ማይ ይወቅዕ’ሎ


2.2 ቢልዮን ዝተፈላለዩ ዓይነታት ፈልሲ ክትከሉ‘ዮ

ወላ እኳ ኣብ ኩሎም ከባቢታት ትግራይ ኣይኹን ኣብ ዝበዝሕ ከባቢ እቲ ክልል ካብ መፈለምታ ወርሒ ሰነ ኣትሒዙ ጽቡቕ ማይ ይወቅዕ’ሎ ይብል ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ክልል ትግራይ፡፡

ኣብቲ ቢሮ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ኣይተ ፅገ በየነ ሎማዓንቲ ንድምጺ ኣሜሪካ ክፍሊ ቋንቋ ትግርኛ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ብፍላይ ኣብ ምዕራብ ትግራይ እኹል ማይ ይወቅዕ’ሎ፤ እቶም ካልኦት ዞባታት እውን ብዘይካ ኣብ ውሱናት ጣብያታት ዳርጋ ዝበዝሑ ከባቢታት ዝሐሸ ማይ ይረኽቡ ምህላዎም ይገልፁ፡፡

ብተዛማዲ ዜና ኣብ ትግራይ ካብ ሰነ 15 ክሳብ ሓምለ 15 ኣብ ዘሎ ግዜ 2.2 ቢልዮን ዝተፈላለዩ ዓይነታት ፈልሲ ንምትካል ዘድሊ ምስንዳእ ከምዝተወገነ ኣይተ ፅገ ወሲኾም ተዛሪቦም፡፡

ቅድሚ ሎሚ ዝተተኸሉ ፈልስታት ካብ 70 ክሳብ 80 ኢድ ካብ ሚኢቲ ከምዝፀደቑ ተረጋጊፁ እዩ እውን ኢሎም፡፡

XS
SM
MD
LG