ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ትግራይ ክሳብ መወዳእታ ሓምለ እኹል ማይ ኣይወቐዐን


ሎምዘበን ኣብ ዝበዝሕ ከባቢታት ክልል ትግራይ ዝናብ ኣዝዩ ደንጉዩ እዩ ምውቃዕ ጀሚሩ። ብፍላይ ዞባ ደቡብ ክሳብ ሓምለ 23 ሓደ ማዓልቲ ጥራሕ ማይ ከምዝረኸበ ተፈሊጡ’ሎ። ኣብቲ ዝተረፈ ከባቢታት ትግራይ ድማ ዝተቖራረፀን በረድን ነጎዳን ዝበዘሖን ዘየሐጉስ ማይ ወቒዑ’ሎ።

ኣብ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ኣታሓባባሪ ንኡስ ከይዲ ስራሕ ቅድመ መጠንቀቕታ ኣይተ ኣለም ቢሰጥ ኣብ ዞባ ደቡብ ራያ ዓዘቦን ኣላማጣን፣ ኣብ ደቡብ ምብራቕ እንደርታን ወጀራትን፣ ኣብ ምብራቕ ትግራይ ኣብ ጋንታ ኣፈሹም፣ ውሱን ከባቢታት ጉሎመኸዳን ኢሮብን፣ ኣብ ማእኸላይ ትግራይ ቆላ ተምቤን፣ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ታሕታይ ኣድያቦ፣ ኣብ ምዕራብ ድማ ቃፍታ ሑመራን ፀገዴን ብዋሕዲ ማይ ምሒር ዝተሃሰዩ እዮም ኢሎም።

ኮይኑ ግና ካብ ሓምለ 23 ንነዘ ዳርጋ ኣብ ኩሎም ከባቢታት እቲ ክልል ፅቡቕ ማይ ይወቅዕ ምህላው ተፈሊጡ’ሎ።

ኣብ ራያ ዓዘቦን ራያ ኣላማጣን እኹል ኣብ ልዕሊ ዘይምውቅዑ ወራር ሓሰኻ ባርኖስ እውን ኣጓኒፉ ምንባሩን ኣብ ዝሐዚ እዋን ኣብ ቁፅፅር ምውዓሉን እቲ ካብ ሓምለ 23 ንነዘ ዝወቐዐ ማይ ንምጥፋእ እቲ ሓሰኻ ልዑል ኣበርክቶ ከምዝገበረን ኣይተ ኣለም ገሊፆም።

ብመሰረት ግምት ሰብ ሞያ ኣብ ትግራይ ኣብ መወዳእታ ሓምለን ምሉእ ወርሒ ናሓሰን ሓያል ውሕጅ ዝሓወሰ ማይ ክወቅዕ እዩ ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር።

XS
SM
MD
LG