ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግዝያዊ ካቢነ ክልል ትግራይ ተጣይሱ ስራሕ ምጅማሩ ብልጽግና ፓርቲ ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ


ብልጽግና ፓርቲ ክልል ትግራይ ሓዊሱ ኣብ ሃገርን ብክልልን ደረጃ ዝንቀሳቐሱ ፖለቲካዊ ፓርትታት ዝሓቖፈ ግዚያዊ ካቢነ ተጣይሹ ሎሚ ሶኑይ ስራሕ ምጅማሩ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ብልጽግና ፓርቲ ክልል ትግራይ ኣቶ ነብዩ ስሑል ሚካኤል ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ገሊፆም።ብኻልእ ወገን ዓለምለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ድሕሪ ግጭት ንፈለማ ግዜ ናይ ሕክምና ናውቲ ናብ መቐለ ምእታው ኣፍሊጡ።

ቤት ምኽሪ ፌደረሽን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ክጣየሽ ብዝፈቐዶ መሰረት ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት መምርሒ ኣውፂኡ ግዚያዊ ምምሕዳር ድማ ቻርተር ምጥያሹ ዝገለፁ ኣብ ትግራይ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ብልፅግና ፓርቲ ኣቶ ነብዩ ስሑል ሚካኤል ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ትግራይ ከባቢታት ነቲ ህዝቢ ናይ ምርግጋእ ስራሕ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።

ኣቶ ነበዩ እቲ ህዝቢ እውን ይጠቐምኒ እዩ ዝብሎ ናይ ባዕሉ ዝኾነ መሪሕነት ክመርፅ እናተገበረ ዝፈረሰ መሓውር ምምሕዳር ዳግም ብግዚያዊ ምምሕዳር ብምትካእ ህዝቢ ከይተኣጓጎል ካብ መንግስቲ ትፅቢት ዝገብሮ ኣገልግሎት ከይስእን እናገበረ እዩ ዝርከብ ኢሎም ።

ናይቲ ክልል ግዚያዊ ምምሕዳር ግዚያዊ ከም ምዃኑ መጠን ንኩሉ ከሳተፍ ኣለዎ ዝበሉ ንሶም ‘'ኣብቲ ክልል ይኹን ብደረጃ ሃገር ዝንቀሳቐሱ ፖለቲካዊ ፓርትታት እውን ተሳተፍቲ ኮይኖም ኣለው።ወልቀሰባትን ዝተፈላለዩ ስቪክ ማሕበራትን ንህዝቢ ትግራይ ነበርክቶ ኣለና ዝብሉ ኩሎም ሕጋዊያን ኣካላት ክሳተፍ ይግበር እዩ ዘሎ’’ ኢሎም።

ኣገልግሎት መብራህቲ ኣብ ከተማ መቐለን ገለ ከተማታትን ምጅማሩ እውን ወሲኾም ሓቢሮም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ዓለምለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ድሕሪ ግጭት ንፈለማ ግዜ ናይ ሕክምና ናውቲ ዝፅዓና ሸውዓተ መካይን ናብ መቐለ ምእታው ገሊፁ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።


XS
SM
MD
LG