ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምርባሕ ምሩፃት ዓሌት ደራሁ ኣብ ትግራይ


ደርሆ ቼክ ኣብ ትግራይ
ደርሆ ቼክ ኣብ ትግራይ
ትካል ምርምር ሕርሻ ትግራይ ካብ ቼክ ሪፓብሊክ ዝተረኸባ ኮኮክ ዝተበሃላ ዓሌት ደራሁ ንሓረስቶት ብምቕራብ ኣራቢሖም ክጥቀሙ ይሕግዝ’ሎ፡፡

እዚ ዋኒን እዚ ብመንግስቲ ኣየርላንድ ገንዘባዊ ሓገዝ ዝሰርሕ ኮይኑ ውራይ ተግባራዊ ምርምር ይባሃል፤ ነቲ ውራይ ዘተሓባብሩ ድማ ኣይተ ሃይለስላሰ ኣማረ እዮም፡፡

ኣብ ወረዳ ሓውዜን ጣብያ መጋብ ዘለዋ ወ/ሮ ንግስቲ ሓጎስ ካብ መንግስቲ ብልቓሕ ዘወሰደአን ደራሁ የራብሓ ኣለዋ፡፡ ነተን ፍሉያት ዓሌት ደራሁ ኣራቢሐን ሸይጠን ክጥቀማ ኣብ ዘካይደኦ ዘለዋ ፃዕሪ ገሊአን ብሕማም ይህሰያ ስለዘለዋ ሓገዝ ክግበረለን ይምሕፀና፡፡

ኣይተ ሃይለስላሰ ኣማረ ብወገኖም ዝምልከቶም ሓኻይም እንስሳ እዋናዊ ክታበት ይህቡ ምህላዎም ገሊፆም፡፡ ካብተን ንፉዓት ደቀንስትዮ ዝተረኸባ ደራሁ ናብ ካልኦት ከባቢታት እውን ብምብፃሕ ክራባሓ ከምዝግበር እውን ተዛሪቦም እዮም፡፡
ኣዳምጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:00 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG