ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናይ ትግራይን ካልኦትን ኣባያንን ጉጅለታት ጥምረት መስሪቶም


ትሽዓት ተቓወምቲ ጉጅለታት ኢትዮጵያ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ጥምረት ፀረ መንግስቲ ምጥያሾም ዝገልፅ ስነስርዓት ምፍርራም ሮይተርስ ሎማዕንቲ ዓርቢ ብቐጥታ ፈነወ ኣቕሪቡዎ።

ኣሶሼትድ ፕረስ ከምዝፀብፀቦ ድማ ሓይልታት ትግራይ ምስ ካልኦት ዕጡቓትን ተቓወምቲ ጉጅለታትን ብምዃን ድሕሪ ናይ ሓደ ዓመት ኣዕናዊ ኲናት ፖለቲካዊ ስግግር ንምክያድ ኣንፃር ቀዳማይ ምንስቴር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ጥምረት ፈጢሮም።ኣተሓባበርቲ ከምዝበሉዎ ሎማዕንቲ ዓርቢ ኣብ ዋሽንግተን ኣብ ስነ ስርዓት ምፍርራም ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ጎኒ ሓይልታት ትግራይ ኮይኖም ይዋጋእ ዘሎ ሰራዊት ነፃነት ኦሮሞን ካብ ካልኦት ከባቢታት እታ ሃገር ዝመፁ ካልኦት ሸውዓተ ጉጅለታትን ዝሓቖፈ እዩ።

ንኣሶሼትዲ ፕረስ ቃሎም ዝሃቡ ኣተሓባበርቲ እቲ ሓዱሽ ግንባር ሕብረት ፌደራሊስትን ኮንፌደራሊስትን ሓይልታት ኢትዮጵያ ንቶም ቀዳማይ ምንስቴር ብቕልጡፍ ንምእላይ ‘’ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ስግግር መስርሕ ንምምስራት’’ ይደሊ ይብሉ።ካብ ናይ ትግራይ ጉጅለ ኣተሓባባሪ ዮሃንስ ኣብርሃ ትማሊ ሓሙስ ከምዝተዛረቦ ’'እቲ ቐፃሊ ደረጃ ምስ ሃገራት፣ ዲፕሎማትን ዓለምለኸ ተዋሳእትን ኣብ ኢትዮጵያን ወፃኢን ንምርኻብ ምጅማር እዩ’’ኢሉ።እቲ ጥምረት ፖለቲካውን ወታደራውን ምዃኑን ወሲኹ ሓቢሩ ኣሎ።

ወሃቢ ቃል ሰራዊ ነፃነት ኦሮሞ ዝኾነ ኦዳ ተርቢ ንቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ንምውራድ ድዩ ተባሂሉ ዝተሓተተ ኦዳ ኩነታት መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ዝቕፅሉ ሰሙናት ዝፍጠሩ ፍፃመታትን እዮም ዝውስኑዎ ክብል መሊሱ።’’ኣብይ ተኣሊዩ ሰላማውን ስሩዕ ስግግርን እንተሃሊዩ እዩ ምርጫና’’ክብል ወሲኹ ሓቢሩ።

ወሃቢት ቃል ቀዳማይ ምንስቴር ብል ለኔ ስዩም ትማሊ ሓሙስ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሐቶ መልእኽቲ ‘’ኢትዮጵያ ንዝጀመረቶ ዴሞክራሲያዊ መስርሕ ዝነፀጉ ካብቲ ዋና ኣካል ዝተነፀሉ ንህንፀት ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ክኾኑ ኣይኽእሉን’' ኢላ።

ካልኦት ኣባላት እቲ ጥምረት ናይ ዓፋር ኣብዮታዊ ዴሞክራቲክ ግንባር፣ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ኣገው፣ምንቅስቓስ ነፃነት ህዝቢ ቤንሻንጉል፣ሰራዊት ነፃነት ህዝቢ ጋምቤላ፣ዴሞክራቲክ ፓርቲ ቅማንት፣ብሄራዊ ነፃነት ግንባር ሲዳማን ናይ ሶማሊያ ክልል ተቓዋሚን ከምዝርከቡዎም ኣተሓባበርቲ ይገልፁ።

እቲ ጥምረት ይምስረት ዘሎ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ፍሉይ ልኡኽ ጀፍሪ ፌልትማን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ይራኸቡን ብዘይ ውዓል ሕደር ቶኽሲ ጠጠው ክብልን እቲ ኵናት ንከብቅዕ ዝርርብ ክካየድን ፃውዒት ይቐርብ ኣብዘለሉ እዋን እዩ።

እቲ ኵናት ኣብ ሕዳር 2020 ኣ\ፈ ካብ ዝጅምር ኣሽሓት ሰባት ተቐቲሎም እዮም።

XS
SM
MD
LG