ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ማሕበረ ረዲኤት ትግራይ ምሕደራኡ ተረኪቡ


ማሕበረ ረድኤት ትግራይ (ማረት) ናይ ምሕደራ ስልጣኑ፡ ካብ ግዜያዊ ቦርድ ተረኪቡ ስራሑ ንምጅማር ይዳሎ ምህላዉ ግዜያዊ ኣመሓዳሪ ማረት ኣቶ ጌታቸው ካልኣዩ ንድምፂ ኣመሪካ ገሊፆም። እዚ ናይ ምርኽኻብ መስርሕ ዝፍፀም ዘሎ ምስ ህወሓት ርክብ ኣለወን ተባሂለን እገዳ ተገይሩለን ዝነበራ ሽዱሽተ ትካላት፡ እገዳአን ብላዕለዋይ ፌደራል ቤት ፍርዲ ክለዓል ድሕሪ ምውሳኑ’ዩ።

ላዕለዋይ ፌደራል ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ 2013 ዓ.ም ኣብ ልዕሊ ማሕበረ ረድኤት ትግራይ፡ ማሕበር ልምዓት ትግራይ፡ ማሕበር ጉዱኣት ኲናት ትግራይ፡ ሜጋ ኣሕታምን ኣከፋፋልን፡ ኣበርገለ ኢንተርናሽናል ላይቭስቶክ ከምኡ እውን ደጀና ኬሚካል ኤንጂነሪንግ ዝተባህላ ሽዱሽተ ትካላት ምስ ህወሓት ርክብ ኣለወን ብምባል ንብረተን ክእገድን ምሕደረአን ድማ ብግዚያዊ ቦርድ ክምራሕን ወሲኑ ከምዝነበረ ይዝከር።

ነዚ ኣመልኪቶም፣ ንድምፂ ኣመሪካ መብርሂ ዝሃቡ ኣማኻሪ ሕጊ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣቶ ሃይለማርያም ሰለሞን፡ እቲ እገዳ ምልዓሉ፡ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ምስ ህዝብን ገበርቲ ሰናይን ብምሕባር ኣብ ዳግመ ህንፀት ክልል ትግራይ ንምንጣፍ ዕድል ዝኸፍት እዩ ኢሎም።

ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ፡ ቅድም ክብል ላዕለዋይ ፌደራል ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ 21 ትካላት ትእምት ተነቢሩ ዝነበረ እገዳ ከምዘልዓሎ ይዝከር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG