ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ማእሰርቲ ዝፀንሑ 32 ተወላዶ ትግራይ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ተፈቲሖም

ኣብ ማእሰርቲ ዝፀንሑ 32 ተወላዶ ትግራይ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ተፈቲሖም
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:58 0:00

ኣብ ማእሰርቲ ዝፀንሑ 32 ተወላዶ ትግራይ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ተፈቲሖም

ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ምስተወለዐ፡ ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ክልል ዓፋር ኣዋሽ ኣርባ ተኣሲሮም ከምዝፀንሑ ዝገለፁ፡ ተወለድቲ ትግራይ ዝኾኑ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ከም ዝተፈትሑ ገሊፆም። እቶም ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣዋሽ ኣርባ ዝተፈትሑ ቁጽሮም 32 ምዃኑ ንድምፂ ኣመሪካ ዝሓበሩ ወሃብቲ ርእይቶ፣ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝተፈላለዩ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰል ከምዘጋጠሞም እውን ተዛሪቦም። ጉዳዮም ከምዝከታተሎን ዝገልፅ ሂዩማን ራይትስ ፈርስት ዝተባህለ ትካል ብወገኑ፡ ካብቶም ኣብ ኣዋሽ ኣርባ ዝነበሩ እሱራት ገሊኦም ከም ዝተፈትሑ ኣረጋጊፀ ኣለኹ ምስ በለ፡ እቶም ዝተረፉ እውን ክፍትሑ ፀዊዑ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG