ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ትግራይ ንህንፀት ሓበራዊ መንበሪ ኣባይቲ ዝምልከት ሓድሽ መምርሒ ወጺኡ


ህንፀት ኣባይቲ ኣብ ትግራይ
ህንፀት ኣባይቲ ኣብ ትግራይ

ኣብ ትግራይ ንህንፀት ሓበራዊ መንበሪ ኣባይቲ ዝምልከት ሓድሽ መምርሒ ወጺኡ።እዚ ኣብ 12 ዓበይቲ ከተማታት ትግራይ ዝትግበር ዘሎ መምርሒ ነቲ ኣብታ ዝነብረላ ከተማ ብስሙ መንበሪ ቤት ንዘይብሉ ተቐማጣይ ዝምልከት እዩ። ኣብ ቢሮ ንግዲ፣ኢንዳስትርን ልምዓት ከተማን ትግራይ ምክትል ሓላፊን ክላስተር ልምዓትን ኣይተ ኣታኽልቲ ገብረህይወት ንድምፂ ኣመሪካ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ገዛ ዝደልይ ሰብ በብ20 ተወዲቡ ንሓድሕዱ 20 ሚእታዊት ገንዘብ ከዋፅእ ኣለዎ።

ኣባይቲ ንምህናፅ ነፍሲወከፍ ሰብ 240 ሽሕ ቅርሺ የድልዮ፤ ሐዚ 50 ሚእታዊት ማለት 120 ሽሕ ይኸፍል።

ኣይተ ኣታኽልቲ እዚ ንምኽፋል ዓቕሚ ዘይብሉ ድማ 20 ሚእታዊት ማለት 48 ሽሕ ቅርሺ የዋፅእ። እቲ ዝተረፈ ምስ ደደቢት ኣለቃሒ ትካል ብምትእስሳር ክኸፍሎ ይግበር፤ ዕድኡ ከፊሉ ንምውዳእ ካብ 10 ክሳብ 15 ዓመታት ጊዜ ይፍቀደሉ ኢሎም።

እቲ መምርሒ ተወዲቦም መሬት ብምትሕግጋዝ ኣባይቲ ዝሃንፁ ሰባት ነቲ ካብ መሬቱ ዝተላዓለ ሓረስታይ ሓገዝ ዝውዕል ነፍሲ ወከፍ ሰብ 5000 ቅርሺ ክኸፍል የገድድ ።

ካብ ኢትዮጵያ ወፃኢ ዝነብሩ ዘለዉ ተጋሩ እውን በዚ መደብ እዚ ተረባሕቲ ምዃኖም ዝገለፁ ኣይተ ኣታኽልቲ ብኤምባሲ ኢትዮጵያ እቲ ዘለዉዎ ሃገር ኣቢሎም ክምዝገቡ ይኽእሉ እዮም ኢሎም። ልክዕ ከምቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝቢ ንሳቶም እውን በብ20 ተወዲቦም ማሕበር ከጣይሹ ይግበኦም፤ እዚ ማለት ኣብ ሓደ ከባቢ ዘለዉ ጥራሕ ማለት ዘይኰነ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ኮይኖም እውን ነቲ ውዳበ ከጣይሽዎ ከምዝኽእሉ እቶም በዓል ስልጣን ሓቢሮም እዮም።

ካብ ኢትዮጵያ ወፃኢ ዝነብሩ ዘለዉ ተጋሩ ሕድሕዶም ነቶም ኣባይቲ መህነፂ ምሉእ 240 ሽሕ ቕርሺ እዮም ከዋህልሉ ዘለዎም እቲ ገንዘብ እውን ብዶላር ኣታዊ ክገብርዎ ይግበኦም።

ብምኽንያት እቲ ኣብ ከተማታት ትግራይ ዘሎ ፀገም መንበሪ ኣባይቲ ንምፍታሕ ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ካብ መሬቶም ዝለዓሉ ሓረስቶት ኣብ ፀገም ንኸይወድቁ ድማ ብጥንቃቐ ተሓሲብሉ ይስራሕ ምህላዉ ኣይተ ኣታኽልቲ ገብረህይወት ገሊፆም ኣለዉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብ ትግራይ ንህንፀት ሓበራዊ መንበሪ ኣባይቲ ዝምልከት ሕድሽ መምርሒ ወጺኡ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:49 0:00

XS
SM
MD
LG