ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ነበርቲ ከተማ መቐለ ሎማዓንቲ ንጉሆ ኣብ ከተማ መቐለ ሓወልቲ ሰማእት ትግራይ ሰነ 15 ማዓልቲ ሰማእት ትግራይ ኣኽቢሮም፡፡ ንክብሪ ስውኣት ኣብ ገደና ሓወልቲ ሰማእት ፈልሲ ተኽሊም፡፡

ብሄራዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ድማ ነቲ ባዓል ምኽንያት ብምግባር ኣብ ቤት ህንፀት ትግራይ ዝነበሩ ፅቡቕ ስነምግባሮም ዝተመስከረሎምን ብዝተፈላለዩ ዓይነታት ሞያ ዝሰልጠኑን 1038 ታሃነፅቲ ብይቕረታ ፈቲሑዎም’ሎ፡፡

ኣብቲ ባዓል ዝተረኸቡ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ኣባይ ወልዱ ኣብ ዘስመዕዎ ዘረባ “ዓወት ተረኺቡ ፅቡቕ ስራሕቲ ተጀሚሩ እናሃለወ ነዚ ዝፀልኡ ብውልቂ ጥቕሞም ሪኦም ክሽርሽርዎ ሒዅ ዝብሉ ኣብ ጓጓና ኣለዉ እዮም፡፡ ትማሊ ገሊኦም አማራርሓ ነይሮም ሐዚ ብውልቂ ጥቕሞም ምስቶም ዝሳዓርናዮም ተረፍ መረፍ ፀላእቲ ታሓባቢሮም ነቲ ብህዝቢ ትግራይን ብስውኣትናን ዝተረኸበ ክቡር ዓወት ክሽርሽሩ ይፅዕሩ ኣለዉ፡፡ ነዚኦም በብዘለናዮ ክንቃለሶም ኣለና፤ መቓብር ስውኣትን ሓወልቶምን ከፍርሱ እንትህቅኑ ሱቕ ኢልና ክንርእዮም የብልናን” ኢሎም፡፡

ነቲ ባዓል ምኽንያት ብምግባር ኣብ ከተማ መቐለ ምርኢት ንግዲ ተኸፊቱ’ሎ፡፡

ኣብዚኣ'ሞ

ኣብዚኣ'ሞ! ብመሰረት ክወሃብ ዝጸንሐ ሓበሬታታት ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሶማል ዝጸንሓ መርገጺ

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG