ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ፓርላማ ኢትዮጵያ ወኪላት ትግራይ ሕቶታትና ከይነቕርብ ተዓፊና ኢሎም


House of the Representative
House of the Representative

ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንትግራይ ዝወከሉ ኣባላት ፓርላማ ሶኑይ ኣብ ዝተኻየደ ስሩዕ ኣኼባ ንቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣሕመድ ሕቶታት ከይነቕርብ ተዓፊና ክብሉ ቅሬትኦም ገሊፆም።ካብ ሸውዓተ ሕቶታት ሓንቲ ጥራሕ ንምቕርባ ከምዝተፈቐደሎም ንቪኦኤ ዝገለፁ ኣባል ፓርላማን ኣብቲ ቤት ምኽሪ ተፀዋዒ ምንስቴር ድኤታ መንግስትን ኣቶ ገረዝግሄር ኣርኣያ እዮም።

እቶም ዘይተመለሱ ሕቶታት ፈፃሚ ኣካል ንስልጣን ፓርላማ ብምውሳድ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኮማንድ ፖስት ክእውጅ ብምንታይ መስርሕ?ጀነራላት ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ዝተፈፀመ ቕትለት ምርመራ ኣበይ በፅሐ? ዓበይቲ ናይ ልምዓት ወይ ሜጋ ፕሮጀክታት ስለምንታይ ጠጠው ኢሎም? ዝብሉን ካልኦትን ምዃኖም ኣቶ ገረእግዝሄር ገሊፆም።

ምኽትል ኣፈጉባኤ ፓርላማ ወ/ሮ ሽታየ ምናለ ኣብ ዝሃብኦ መልሲ ካብ ኣባላት ፓርላማ ዝቐረቡ ልዕሊ 90 ሕቶታት ምንባሮምን ካብዚኦም 15 ኣገደስቲ ሕቶታት ጥራሕ ከምዝተመርን ብምግላፅ ክምረፁ ከለው ካብ ኣምሓራ፣ካብ ትግራይ፣ካብ ኦሮሚያ ብዝብል ኣይኮነን ኢለን።

ምስ ኣቶ ገረዝግሄር ሓቢሮም ስለዝሰርሑ ኣብ ክንዲ ናብ ሚዲያ ምኻድ መስአን ክዘራረቡ ምሐሸ ነይሩ ዝበላ ምኽትል ኣፈጉባኤ ሽታየ ምናለ ቅር ዝበሎም ኣባላት ካልኦት ውዳባት እውን ብስልክን ብኣክልን ሕቱኦም ከምዘቕረቡን ሕቶታት ዝተመረፅሉ ኣገባብ ብኣገዳስነቶምን እዋናውነቶም ስልጣን ብዝተውሃቦም ኣፈጉባኤታት እዩ ዝምረፅ ኢለን።

ኣብ ትሕዝቶታት፣እዋናዊነትን ኣገዳስነትን ብናይ ትግራይ ወኪላት ዝቐረቡ ሕቶታት ንምዝርራብ ቅርብቲ ከምዘይኮና ገሊፀን ኣለዋ።

ምሉእ ትሕዝቱኡ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።



XS
SM
MD
LG