ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ተፈጥሮ ንሓሉ ብህይወት ክንህሉ” ኣይተ ኪሮስ ዳኘው


ኣብ ኢትዮጵያ ዘመናዊ ሕርሻ ዝሰርሑ ባዓል ሃፍቲ

ኣይተ ኪሮስ ዳኘው ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ወረዳ ቆቦ ኣብ 400 ሄክታር ስፍሓት መሬት በናናን ማንጎን ብዘመናዊ መይላ ኣብ ምፍራይ ይርከቡ፡፡

ኣይተ ኪሮስ ዘካይድዎ ዘለዉ ልምዓት መስኖ ብላዕለዎት እስራኤላውያን ክኢላታት ሕርሻ እዩ ዝምራሕ ዘሎ፡፡

“ሓደ ሰብ ምሁር ክባሃል ዲግሪ ዝሓዘ ወይ ድማ ፕሮፌሰር ስለዝተብሃለ ተይኮነስ ምስ ተኽልን ሕርሻን ፍቕሪ ዘለዎን ገባራይ ዝፈቱን ክኸውን ኣለዎ፤ንገባራይ ዘይንዕቕ ክኸውን ኣለዎ፡፡” ይብሉ ኣይተ ኪሮስ ዳኘው፡፡

ምሁር ናብ ሕርሻን ቴክኖሎጅን ተዘይኣትዩ ብዘልማድ ሓሪስና ዓዲ ክንልውጥ ኣይንኽእልን እውን ኢሎም፡፡

ኣይተ ኪሮስ ዳኘው ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝርከብ ገፊሕ ገደና ገዛኦም ኣራንሺ፣ኣቦካዶ፣ሮማን፣ፋሽን ፍሩት፣ ዝተዳቐለ ኣፕልን (ሚለ) ማንጎን፣ ፓፓዮ፣ቡን፣ኣውሊዕ ከምኡ’ውን ዝተፈላለዩ ዓይነታት ተኽልን ዕንበባታትን ኣፍርዮም ይጥቀሙ ኣለዉ፡፡

ኣይተ ኪሮስ ማይ ክረምቲ ኣዋህሊሎም ንረብሓ ዘውዕሉ ህርኩት ወላዲ እዮም፡፡ቅድሚ 14 ዓመት “ተፈጥሮ ንሓሉ ብህይወት ክንህሉ” ዝብል ጭርሖ ኣምሪሖም ማይ ክውህለል ዘኽእል ምትሕብባር ንኽካየድ ንህዝቢ ብዝተፈላለዩ መይላታት ምብርባር ኣካይዶም ምንባሮም ይዝከር፡፡

XS
SM
MD
LG