ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብነታዊ ዘመናዊ ሕርሻ ዘላልዩ ዘለዉ ባዓል ሃፍቲ


ኣይተ ኪሮስ ዳኘው ኣብ ትግራይ ከተማ መቐለ ይነብሩ፡፡ ኣይተ ኪሮስ ኣብቶም ዝሓለፉ 17 ዓማውቲ ኣብ መሸጣን ፅገናን መካይን ወፊሮም ዕዉት ዋኒን ዝፈጸሙ ኢትዮጵያዊ እዮም፡፡

ኣይተ ኪሮስ ኣብቲ ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከብ ገደና ገዛኦም ማይ ዚንጎ ኣዋህሊሎም ዝተፈላለዩ ዓይነታት ተኽሊ ፍራምረ ኣፍርዮም ይጥቀሙ ኣለዉ፡፡ ኣብዚ ሐዚ እዋን ድማ ናብ ክልል ኣምሓራ ወፊሮም ኣብ ወረዳ ቆቦ 400 ሄክታር መሬት ለቢዶም ሙዝን ማንጎን የፍርዩ ኣለዉ፡፡

እቲ ዘካይድዎ ዘለዉ ልምዓት መስኖ ብሳይንሳዊ መይላ ዝታሓገዘን ብእስራኤላውያን ላዕለዎት ሰብ ሞያ ሕርሻ ዝምራሕን እዩ፡፡ ኣብቲ ግራት ካብ እስራኤል ዝተዓደገ ዘመናዊ ማሽን ተገጢሙ ብኮምፒውተር እናተኣዘዘ ኣብ ዘለኻዮ ኮይንካ መስኖ ማይ ክተስቲ ዘኽእል ዘመናዊ መይላ ተጀሚሩ’ሎ፡፡ ኣይተ ኪሮስ ፍልጠትን ልምድን ዘመናዊ ሕርሻ ክቐስሙ ምስ ደቆም ናብ እስራኤል ብምኻድ ዝደለይዎ ከምዝረኸቡ ይገልፁ፡፡

እስራኤላውያን ካብ ሄክታር 80 ቶን ሙዝን ማንጎን ይረኽቡ ንሕና 7 ጥራሕ ንረክብ፡፡ ሓረስታይ ዓድና ዘመናዊ መይላ ኣታሓራርሳ ስለዘይተምሃረን ስለዘይጀመረን ፍረ ድኻሙ ኣይረክብን ዘሎ ይብሉ፡፡

“መሬት እናፀበበን እናኣረገን ማይ ድማ እናዋሓደ ስለዝኸድ ዘሎ ኣብ ንእሽተይ መሬት ብርኩት እቶት ንምርካብ ሕርሻና ብሳይንሳዊ ፍልጠት ዝተሓገዘ ክኸውን ኣለዎ” ኢሎም ኣይተ ኪሮስ፡፡

እቲ ዝካየድ ዘሎ ዘመናዊ ሕርሻ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ብቐዳምነቱ ዝስራዕን ንኢትዮጵያ ተምሳሌታዊ ክኸውንን እቶም እስራኤላውያን ብቅንዕናን ብዕቱብን ይሰርሑ ምህላዎም ኣይተ ኪሮስ ዳኘው ይዛረቡ፡፡

ብተወሳኺ ናይቶም እስራኤላውያን ፍልጠት ክወርሱ ዝኽእሉ 4 ብሞያ ሕርሻ ዝሰልጠኑ መናእሰይ ኣብቲ ግራት ይሰርሑን ይማሃሩን ኣለዉ፡፡ ንቐጻሊ እዞም መናእሰይ ንሓረስቶት ከምህሩን ክሕግዙን ታሓሲቡ ይፃዓር ‘ሎ ኢሎም ኣይተ ኪሮስ፡፡

XS
SM
MD
LG