ግደይ ጀርዲን ኣብ እዋን እዚ ልዕሊ 6 ሽሕን 5 ሚኢትን ዓይነታት ተኽሊ ፍራምረ የፍርዩ ኣለዉ::በዚ ኣብነታዊ ውፅኢት ስረሖም ድማ ሓርበኛ ልምዓት ዝብል ማዕረግ ረኺቦምን ሎምዘበን መተባብዒ ሽልማት ተዋሂቦምን እዮም:: ካብ ሩባ ተከዘ ማይ ስሒቦም እውን ይጥቀሙ:: ንተከዘ ድማ ‘ኣምለጠ’ ዝብል ሽም ጠሚቖሞ ኣለዉ::
ግዳስ መንግስቲ ትግራይ ሄልኮፕተር እዩ ክሽልመኒ ነይሩዎ እዮም ዝብሉ:: ነዚ ምኽንያት ኢሎም ዘቕርብዎ ኻዓ ዝበዝሕ ህዝቢ ኢትዮጲያ ባህሊ ስራሕ ስለዘይብሉስ ህዝቢ ነናብ ዘለዎ ከይደ ከምህሮ ስለዝደሊ እዬ ይብሉ:: ሰንበት ጥራሕ እናኽበረ ኣብ ኩሎም ካልኦት ማዓልታት ክስራሕ ሃይማኖታዊ ትእዛዝ ይፈቅድ እዩ ብምባል ይምዕዱ::
ህዝቢ ኢትዮጲያ ብዋሓዝቲ ሩባታት ዝሃፍተመት መሬት ሒዙ ክስደድን ክርዳእን ኣይምተገበአን እንትብሉ ብምሒር ምቁጫጭ ይዛረቡ::
“ኣነ ኣብ ኢትዮጲያ ጌይሶ፣ሓሽሽ፣ጫትን ትምባኾን ክትከል ኣይደልን” ኢሎም ግደይ ጀርዲን::
- ግደይ ጀርዲን ብሰንኪ ሕሱር ኣቕሑት ቻይና ምሒር ከምዝተማረሩ ገሊፆም፤ መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ጽሬት ጥቡቕ ቁፅፅር ክገብር ኣለዎ ኢሎም::