No media source currently available
ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ምስተወለዐ፡ ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ክልል ዓፋር ኣዋሽ ኣርባ ተኣሲሮም ከምዝፀንሑ ዝገለፁ፡ ተወለድቲ ትግራይ ዝኾኑ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ከም ዝተፈትሑ ገሊፆም። እቶም ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣዋሽ ኣርባ ዝተፈትሑ ቁጽሮም 32 ምዃኑ ንድምፂ ኣመሪካ ዝሓበሩ ወሃብቲ ርእይቶ፣ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝተፈላለዩ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰል ከምዘጋጠሞም እውን ተዛሪቦም።