ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

16 ካብ ቀረፅ ናፃ ዝኣተወ ቴንዲኖ ዓዲጎም ዝሸጡ ነጋዶ ተኣሲሮም


ብርሃነ ፅጋብ
ብርሃነ ፅጋብ
ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብ ልምዓት ንዝወፈሩ ሰብ ሃፍቲ ንምትብባዕ ካብ ቀረፅ ናፃ ቴንዲኖ ናብ ሃገር ዘእተዉ ውሱናት ነጋዶ ዝተፈቐደሎም ዋኒን ልምዓት ሓዲጎም ኣብ ዘይሕጋዊ ተግባር ወፊሮም ምህላዎም ተፈሊጡ’ሎ ይብል።

ነቶም ናፃ ቀረፅ ተፈቒዱሎም ዘእተውዎ ንብረት ሸይጦም ዘይግበኦምን ዘይሕጋውን ከስቢ ንምርካብ ዝወፈሩ ነጋዶ ንምሓዝ የፅንዕ ምህላዉ ገሊፁ’ሎ። ኣብ ዝሐዚ እዋን ግና ነቶም ካብ ቀረፅ ነፃ ዝኣተወ ንብረት ዓዲጎም ዝሸጡ 16 ነጋዶ ኣሲሩ ምህላዉ ሓላፊ ባዓል መዚ ልምዓት እቶት ትግራይ ኣይተ ብርሃነ ፅጋብ ገሊጾም።

እዚ ስጉምቲ እዚ ንምንታይ እዩ ኣብ ትግራይ ጥራሕ ዝውሰድ ንዝብል ጥርዓን ነጋዶ ኣይተ ብርሃነ እንትምልሱ እቲ ተረጊፁ ዘሎ ሕጊ ሃገራውን ክልላውን እዩ፤ እቲ ስጉምቲ ድማ ሃገራዊ እዩ። ኮይኑ ግና ካልኦት ክልላት ስለዝደንጎዩ ካልኦት ይሰርቁ ኣለዉ እሞ ናዓና እውን ፍቐዱልና ምባል ግጉይ እዩ ብምባል ይዛረቡ።

ካብቶም ሐዚ ታኣሲሮም ዘለዉ ነጋዶ ገሊኦም መንግስቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣትሒዙ ካብቲ ዝጣነይሉ ዘይሕጋዊ ተግባር ክእርነቡ ብፅሑፍ ከይተረፈ ኣተሓሳሲቡዎም እዩ። ኮይኑ ግና ዘይሕጋዊ ተግባር ምዃኑ እናፈለጡ ናብቲ ዘይሕጋዊ ተግባር ዝኣተዉ ነጋዶ ተሓተቲ እዮም ኢሎም ኣይተ ብርሃነ ፅጋብ።
Listen
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:34 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG