ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ትገራይ ኣብ ዝሓለፉ 5 ዓመትን ፈረቃን ብሊዝ መርየት ተቐቢሎም ዘይሃንፁ ሰባት ዝምልከት ውሳኔ ፀዲቁ


2 ሚእታዊ መቕፃዕቲ ይፅበዮም ኣሎ

ካቢነ ትግራይ፣ኣብ‘ዘን ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመትን ፈረቃን መርየት ብሊዝ ተቀቢሎም ዘይሃነፁ ሰባት፣ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ህንፀቶም ንክዛዝሞ ናይ መወዳእታ ዕድል ሂቡ።

እቲ ውሳነ ካቢነ መርየት ብሊዝ ተቀቢሎም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ንምህናፅ ዘይካኣሉ ሰባት ንዳያስፖራ ሓዊስካ ማለት‘ዩ፣ኣብ‘ዚ እዋን ቀረብ ሲሚንቶ፣ማይ፣ኤሌክትሪክን ካልኦትን ተማሓይሹ ስለዘሎ ዝኣተውዎ ቃል ክፍፅሙ ኣለዎም ይብል።

እቲ ካቢነ ዘሕለፎ ውሳኔ ንኣልማዕቲ ልቓሕ ባንኪ ብቀሊሉ ንክረኽቡ ባይታ ዘጣጥሕ'ምበር ዕንቅፋት ዝፈጥር ኣይኮነን ኢሎም ምክትል ሓላፊ ርክብ ህዝቢ'ቲ ክልል ኣቶ ገ/ሚካኤል መለስ።

XS
SM
MD
LG