ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ትግራይ ተቃውሞ ሰልፊ ንዝክልክል ባዓል-ስልጣን ክኸሶ'የ ይብሉ ሓላፊ ቢሮ ፍትሒ እቲ ክልል


ተስፋዓለም ይሕደጎ
ተስፋዓለም ይሕደጎ

ጥርጡራት ሰበ-ስልጣን ንዘቃልዑ ዜጋታት ዝከላኸል ሕጊ'ውን ኣሎ ኢሎም

ናብ ሓላፊ ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ ኣቶ ተስፋዓለም ይሕደጎ ካብ ሞንጎ ዝቀረቡ ሕቶታት እቲ ቀዳማይ "ስለምንታይ እዩ ኣብ ትግራይ ፖለቲካዊ ሹመኛታት ከጥፍኡን ገበን ክፍፅሙን ከለው ኣብ ክንዲ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ፍርዲ ዝረኽቡ፣ብውድብ ተገምጊሞም ካብ‘ቲ ዝነበርዎ ሓላፍነት ተላዒሎም ኣብ ካልእ ስራሕ ዝምደቡ?" ዝብል’ዩ።

ንሶም ክምልሱ ከለው “ኣብ ትግራይ ዝኾነ ይኹን ባዓል-ስልጣን፣ድኻን ሃብታምን ኩሉ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ‘ዩ።ዘጥፍኡ ሰበ-ስልጣን ይኽሰሱ‘ዮም።ክሳብ 18 ዓመታት ተበይንዎም ዝተኣሰሩ እውን‘ለው” ኢሎም።

ብዛዕባ ብልሽዋት ሰበ-ስልጣን፣ንዝምልከቶ መንግስታዊ ኣካል ሓበሬታ ዝሃበ ዜጋ፣መጥቃዕቲ ሕነ-ምፍዳይ ንከይወርዶ ሕጋዊ ሓለዋ ዝረኽበሉ ኣሰራርሓ ኣሎ‘ውን ኢሎም።ሓበሬታ ጉቦን ብልሽውናን ዝቅበሉ ኣካላት፣ቢሮ ሓባሲ ንብዓት፣ፖሊስን ቢሮ ፍትሒን ምኻኖም‘ውን ጠቂሶም።

ዝሓለፈ ዓርቢ ብዛዕባ ኣቃውማን ኣሰራርሓን ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ ዓቅሚን ፅፈትን ዳያኑ፣ብልሽውናን ኩነታት ኣብያተ-ማእሰርቲን ትግራይ ኣማእኪልና ቀዳማይ ክፋል ቃለ-ምልልስ ምክያድና ዝዝከር‘ዩ።

ሓላፊ ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ ኣቶ ተስፋዓለም ብዘይ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ልዕሊ 48 ሰዓታት ዝኾነ ሰብ ኣይእሰርን፣ኣብ ትግራይ ፖለቲካዊ እሱራት፣ናይ ሕልና እሱራት ዝባሃሉ የለውን።ስቃይ (ቶርቸር) እውን ኣይፍፀምን ኢሎም።

ብቅዓት ዳያኑ ኣብ ዘተኣማምን ብርኪ'ዩ ዘሎ፣ኩሎም ዝተመደቡ ዳያኑ በቢብርኩ ንምድናይ ዘኽእሎም ስልጠናን ይዋሃቦም'ዩ እውን ይብሉ እቶም ሓላፊ ቢሮ።ካብኡ ሓሊፎም ብጉቦ ተጠርጢሩ ዝተታሕዘ ዳኛ ክሳብ ሎሚ ኣይገጠመናን ከምዝበሉ ዝፍለጥ'ዩ።

XS
SM
MD
LG