ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ትግራይ-እንደርታ ኣብ ተሓራሲ መርየት ኣባይቲ ዝሃነፁ ሰባት ምምሕዳር በዲሉና ይብሉ


ዝዓነወ ኣባይቲ እንደርታ
ዝዓነወ ኣባይቲ እንደርታ

ክልላዊ መንግስቲ ብወገኑ ኣብ ልዕሊ ተሓተቲ ስጉምቲ ምውሳድ ከምዝጀመረ ይገልፅ

ኣብ እንደርታ፣መቀለ-ትግራይ፣ካብ ክሊ ከተማ ወፃኢ ኣብ ዝሕረስ መርየት ኣባይቶም ስለዝተሃነፀ ኣፍርሱ ዝተባሃሉ ልዕሊ 3 ሽሕ ሰባት ምምሕዳር በዲሉና ኢሎም መረረቶም ምቅላሕ ካብ ዝጅምሩ ቀንዩ‘ሎ። ምምሕዳር‘ቲ ክልል ግና እዞም ውልቀ-ሰባት ንዝተዋሃቦም መጠንቀቂ ዕሽሽ ኢሎም እናፈለጡ ናብ ምጥሓስ ሕጊ ዝኣተው‘ዮም ይብል።ንሪኢቶ ክልቲኡ ወገን ዘተኣናገደ ናይ ሎሚ ፍሉይ መደብ ንኣቶ ሃይለ ተክኤን ንወ/ሮ ፌቨን ደስታን ካብ ተበዲልና ባሃልቲ።ካብ ምምሕዳር እቲ ክልል ድማ ሓላፊ ፀጥታን ምምሕዳርን ትግራይ ኣቶ ሓዱሽ ዘነበ ኣብ‘ቲ ቃለ-ምልልስ ተሳቲፎም ኣለው።

ነቲ ቃለ-ምልልስ ኣብ ናይ ሶኒ መደብና ኣዳምፁ

XS
SM
MD
LG