ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕማም ለምፂ


Dr.Togiq.Kassa
Dr.Togiq.Kassa
ለምፂ ሕማም ቆርበት እዩ፡፡ ኣብ ውሽጢ ነብስና ዝርከቡ ሕብሪ ዝህቡ ዋህዮታት እንትሞቱ ኣብ ቆርበትና ፃዕዳ ሕብሪ ዝፈጥር ክስተት እዩ፡፡ ለምፂ ከይፍጠር ኣቐዲምካ ምክልኻል ኣይካኣልን፡፡

ብዛዕባ ለምፂ ሕክምናዊ ትምህርቲ ዝሃቡና ዶክተር ቶፊቅ ካሳ ይባሃሉ፡፡ ዶክተር ቶፊቅ ኣብ ላዕለዋይ ሕክምና ዓይደርን ኣብ ናይ ባዕሎም ክልኒክ ዮሃንስን ላዕለዋይ ሓኪም ሕማም ቆርበትን ብፆታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማትን እዮም፡፡

ለምፂ መብዛሕትኡ ጊዜ ካብ 10 ክሳብ 30 ኣብ ዘሎ ክልል ዕድመ ንዘለዉ ብፍላይ ድማ ኣብ ከባቢ 20 ዕድመ ንዘለዉ ሰባት የጥቅዕ፡፡ ለምፂ ብዘርኢ ዝሓልፍ ሕማም እዩ፡፡ ከይሰፈሐ እንተሎ ኣብ መፈለምታ ሕክምና እንተተገይሩሉ ክሓዊ ወይ ድማ ኣብ ዘለዎ ጠጠው ክብል ዝኽእል ሕማም እውን እዩ፡፡

ለምፂ ብዝኾነ ይኹን መልክዑ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ኣይላበድን፡፡ እዚ ሕማም’ዚ ዝሓዞም ሰባት ካብ ባህላዊ ሕክምና ምውሳድን ካብ ንፀሓይ ምቅላዕን ዓርሶም ክከላኸሉ ይግባእ፡፡
XS
SM
MD
LG