ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣደታት ትግራይ ባዕለን ግልጋሎት መርፍእ መከላኸሊ ጥንሲ ክህባ ይስልጥና`ለዋ


Health-feature
Health-feature

ኣብ ትግራይ ዘይተደለየ ጥንሲ ብምክልኻል ሞት ኣደታት ንምንካይ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ሕብረተሰብ መሰረት ዝገበረ ብመርፍእ ዝውሰድ መከላኸሊ ጥንሲ ይዋሃብ’ሎ፡፡

ላዕለዋይ ሓኪም ሕክምና ማህፀንን ጥንስን ዶክተር ኣማኑኤል ገሰሰው እቲ ግልጋሎት ብሓገዝ ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርኒያ ዝዋሃብ ኮይኑ ዩኒቨርሲቲ መቐለ፣ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይን ማሕበር ኣንስትዮ ትግራይን ተደጋጊፎም ዝመርሕዎ ዋኒን ምዃኑ ይገልጹ፡፡

መከላኸሊ ጥንሲ ናብ ኢትዮጵያ ካብ ዝኣተወሉ ካብቶም ዝሓለፉ 50 ዓማውቲ ንነዘ ካብ ሚኢቲ 28 ኣንስትዮ ጥራሕ እየን ነቲ ግልጋሎት ዝጥቀማሉ ዘለዋ፡፡ ብዙሓት ኣንስትዮ ነቲ መይላ መከላኸሊ ጥንሲ እናደለያ ኣብ ጥቓኣን ስለዘይረኽበኦ ክወስዳ የፀግመለን፡፡

70 ሚኢታዊ ኣንስትዮ ድማ ብመልክዕ መርፍእ ዝውሰድ መከላኸሊ ጥንሲ እየን ዝመርፃ ብመሰረት ትንታነ ዶክተር ኣማኑኤል፡፡ እዚ ግልጋሎት ድማ ኣብ ትካላት ጥዕና ከይደን ስለዝወስደኦ ብማእኸላይ መንገዲ ክልተ ሰዓት ምስ መመምለሲአን ኣርባዕተ ሰዓት ይጓዓዛ፡፡
ነዚ ፀገም እዚ መፍትሒ ክኸውን ዝኽእል መይላ ካብ 2007 ክሳብ 2009 ብመፅናዕቲ ዕልባት ረኸበ፡፡ ብመሰረት እዚ ኣብ ገጠር ዝርከባ አደታት ስልጠና ወሲደን መርፍእ ክወግኣ ይኽእላ እየን ዝብል ውራይ ተሓንፂጹ ውጽኢታዊ ኮይኑ’ሎ፡፡ ዛጊድ ኣብ ትግራይ 400 አደታት ኣብዚ ውራይ እዚ ወፊረን ኣለዋ፡፡

Ndola Prata ኣብ University of California, Berkley School of Public Health Associate Professor እዚ ግልጋሎት እዚ ካብቲ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ ዝዋሀብ ዘሎ ፍልይ ዘብሎ ብዙሕ ሃፍቲ ከየውጻእኻ ሕብረተሰብ መሰረት ገይርካ ዝወሃብ ግልጋሎት ምዃኑ እዩ ይብላ፡፡
Tigray-Contraception
please wait

No media source currently available

0:00 0:08:01 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG