ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቃለ ምልልስ ምስ ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ትግራይ


ኣቶ ሓጎስ ጎደፋ
ኣቶ ሓጎስ ጎደፋ
ኣብ ትግራይ ውፅኢት ግልጋሎት ጥዕና ኣብ ጥንካረን ድኽመትን ኣመራርሓን ተወፋይነት ሰብ ሞያን እዩ ዝውሰን ዘሎ ይብሉ ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ኣይተ ሓጎስ ጎደፋይ፡፡

ኣብ ትግራይ ካብ 1996 ዓ/ም ንነዘ ዝተጀመረ ኣብ ውዳበ ኣንስትዮ ዝተመስረተ ልምዓታዊ ጉጅለ ዝሐሸ ውፅኢት የመዝግብ’ሎ፡፡ ብመሰረት እዚ ኣብ 2011 ዓ/ም ቁፅሪ ኣብ ማእኸላት ሕክምና ዝወልዳ ኣደታት 11 ምኢታዊ ዝነበረ ኣብዚ ሐዚ እዋን ናብ 45 ምኢታዊ ልዒሉ’ሎ ኮይኑ ግና ካብ ወረዳ ናብ ወረዳ ኣብ ውሽጢ ወረዳ ካብ ጣብያ ናብ ጣብያ ኣፈላላይ ‘ሎ፡፡ እዚ ድማ ነቲ በብደረጅኡ ዘሎ ፃዕሪ ኣመራርሓ ዝገልፅ’ዩ፡፡

ብመሰረት መግለፂ ኣይተ ሓጎስ ጎደፋይ ኣብ ትግራይ ኣብ ከይዲ ውራይ ጥዕና ኣጋሚ እዩ ተባሂሉ ዝግለፅ ኣደታት ኣብ ገዘአን ምውላደን እዩ፡፡ ብጠንቂ እዚ ድማ ልዕሊ 70 ምኢታዊ ብሰንኪ ኣብ እዋን ሕርሲ ዝፈስስ ደም ህይወተን ይስእና ኣለዋ፡፡

ካልእ ኣብ ትግራይ ኣብ ከተማታት መቐለን ኣኽሱምን ባንክታት ደም ተጣይሾም ኣለዉ፤ ኮይኑ ግና እኹል ደም ኣይረኽባን ዘለዋ፡፡ ኣብ ትግራይ ዘሎ ፀገም ዋሕድን ክንክንን ኣምቡላንስ እውን ከም ሓደ ማሕለኻ እዩ ዝግለፅ፤ ኣብ ትግራይ 190 ኣምቡላንስ እየን ግልጋሎት ዝህባ ዘለዋ፡፡

ኣብ ትግራይ ብዋናነት ዝግለፅ ፀገም ኣብ ኣመራርሓ ዝርአ ዘሎ ፀገም እዩ፤ እቲ በብከባቢኡ ዝረአ ውፅኢት ኣብ ጥንካረን ድኽመትን ኣመራርሓን እዩ ዝውሰን ኢሎም ኣይተ ሓጎስ፡፡ ተወፋይነት ሰብ ሞያ ጥዕና እውን ብምሉእነት ኣይተሰገረን ይብሉ፡፡
ኣዳምጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:07:23 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG