ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓደ ዜጋ ኣብ ሓውዜን ትግራይ ቤት ትምህርቲ ሰሪሖም ንህዝቢ ኣርኪቦም


ሸሞንተ ሚልዮን ቅርሺ ኣዋፊሮም

ኣይተ መኮነን ኣብርሃ ዝተባሃሉ ባዓል ሃፍቲ ተወሊዶም ኣብ ዝዓበይሉ ወረዳ ሓውዜን ዓዲ ሑፃ ኣብ ዝተባሃለ ገጠር ልዕሊ 8.7 ሚልዮን ቕርሺ መዲቦም ዝሃነፅዎ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ንህዝቢ ኣረኪቦም ኣለዉ፡፡

ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ተምሃሮ ቀዳማይ ብርኪ ምስ በፅሑ ካልኣይ ብርኪ ትምህርቶም ንምቕጻል ናብ ሓውዜን ከይዶም ንኽማሃሩ ይግደዱ ምንባሮም ወለዲ እቲ ከባቢ ይዛረቡ፡፡

ኣባ ገብረሚካኤል ወልደማርያም ተምሃሮ ናብ ሓውዜን ከይዶም ንኽማሃሩ ጸገም ቀለብ፣ መጓዓዝን ክራይ ገዛን ይበጽሖም ስለዝነበረ ብዙሓት ንያቶም ደኺሙ ትምህርቲ ኣቋሪጾም እዮም ይብሉ፡፡

ኣይተ ገብረሚካኤል ውነህ ብግዲኦም ብፍላይ ደቀንስትዮ ቆልዑ ተበሳቢሰን ሓሳብ ልበን ተቖፅዩ ንባዕለን ተጎደፊአን ወለደን የጉህያ ምንባረን ይዛረቡ፡፡

እቲ ቤት ትምህርቲ ናውቱ ዝተማለአ 16 መምሀሪ ክፍልታት ዘለዎ ክምኡ እውን ቤተ መጻሕፍትን ማእኸል ኮምፒውተርን ዝሓዘ እዩ፡፡

እቲ ከባቢ ሐዚ’ውን ከቢድ ጸገም ሕክምና፣ጽሩይ ዝስተ ማይን ፅርግያን ስለዘለዎ መንግስቲ ቆላሕታ ክገብረሉ እቶም ወለዲ ተማሕፂኖም፡፡

XS
SM
MD
LG