ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓይልታት ትግራይ ንስትራተጂካዊት ከተማ ደሴ ተቆጻጺርናያ ኢሎም


Dessie town, Amhara Region, Ethiopia,
Dessie town, Amhara Region, Ethiopia,

ሓይልታት ትግራይ ሎሚ ቀዳም ንስትራተጂካዊት ከተማ ደሴ ኣብ ክልል ኣምሓራ ከምዝተቆጻሩዋ ኣፍሊጦም። በቲ ይጋፋሕ ዘሎ ውግእ ዝተፈናቀሉ ዓሰርተታት ኣሻሓት ኣምሓሩ ዘዕቆቡላ ከተማ እያ ከተማ ደሴ።

ተዋጋእቲ ትግራይ ንሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ’ታ ከተማ ደፊኦም ኣብ’ዚ እዋን ድማ ናብ ከተማ ኮምቦልቻ ይምርሹ ከምዘለው ወሃቢ ቃል ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ጌታቸው ረዳ ንትካል ዜና ሮይተርስ ካብ ዘይንጹር ከባቢ ኮይኑ ብናይ ሳተላይት ቴለፎን ገሊጹ።

ንሱ ክዛረብ ከሎ ‘ሓይልታት ትግራይ ንብዙሓት ሰራዊት ኢትዮጵያ ከምዝማረኹ’ውን’ ጠቂሱ።

እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ለገሰ ቱሉ ‘ግብረ መልሲ ንክህብሉ ዝተገብረ ፈተነ ዛጊድ ኣይሰለጠን’ ዘሎ። ሮይተርስ ነቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ‘ኣሸባሪ’ ዝባሃል ህወሓት፣ ንኩነታት ኣመልኪቱ ዝሃቦ መግለጺ፣ ካብ ናጻ ኣካል ከረጋግጽ ኣይካኣለን።

ኣብ ደሴ ኮይኑ ሪኢቶኡ ዝሃበ ሓደ መምህርን ካልእ ነባሪ’ታ ከተማን ግና ‘ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ቀዳም ንጉሆ ጀሚሮም ካብ’ታ ከተማ እናወጹ ከምዝተዓዘቡ፣ ከምኡውን መብራህቲ’ታ ከተማ ካብ ትማሊ ዓርቢ ጀሚሩ ከምዝጠፍአ’ ሓቢሮም። ክልቲኦም ወሃብቲ ሪኢቶ ‘ሓይልታት ትግራይ ኣብ’ታ ከተማ ኣትዮም ዝብል ሓበሬታ ከምዝሰምዑ ግን ብዓይኖም ከምዘይራኣዩን’ውን’ ገሊጾም።

ደሴ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ምውዳቃ ነቶም ን ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ክልል ኣምሓራ ደፊኦም ንምውጻእ ይዋግኡ ዘለው ሓይልታት ትግራይ ስትራተጂካዊ ረብሓ ክህልዎ እዩ።

ደሴ ካብ ኣዲሳበባ 385 ኪ/ሜ ርሒቃ ትርከብ ከተማ እያ።

XS
SM
MD
LG