ኣብ ምዕራባዊ ዞባ ትግራይ፣ሓረስቶት ቁሸት እንዳ ኣውነ-ሽናሽ፣ዓዲ ዳዕሮ፣ግራትና ብዘይፈልጠናዮም ሰባት ይኳዓት‘ሎ ኢሎም ጥርዓን የቅርቡ‘ለው።መንግስቲ ግና ፈቃድ ዝተዋሃቦም ኪኢላታት መፅናዕቲ ዕደና’ዮም ይብል።
ኣማሓዳሪ’ቲ ወረዳ ኣቶ ልዑል ኣበራ፣እቲ ዝዝረበሉ ዘሎ ምግሓጥ ሓመድ ንመፅናዕቲ ዝውዕል ውሱን ዝመጠኑ ሓመድ‘ዩ።እቶም ግራቶም ዝተኻዕቶም ሓረስቶት ድማ ካሕሳ ይኽፈሎም‘ሎ።ዛጊድ ግና ዘማርር ሓረስታይ ኣይገጠመንን ኢሎም።
በቲ ኳዕቲ ተለኪምና ዝብል ሓረስታይ ግና፣ፈቃድና ከይረኸቡ ንገዳናናን ንግራውትናን ዝኹዕቱ ሰባት መፂኦምና።ኣርክቡልና ኢልና ናብ ወረዳን ዞባን እንተጠራዕና ድማ፣ከይትትንክፍዎም፣እንተዓንቂፍኩም ምስ ገንዘባዊ መቅፃዕቱ ክትእሰሩ ኢኹም እናበሉ የፈራርሑና‘ለው ይብሉ።
ምምሕዳር ግና ፈቃድ ዝረኸቡ ኪኢላታት ዕደና'ዮም ባሃላይ'ዩ