ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓረስቶት ኣፅቢ ወምበርታ ትግራይ፡ ዘመናዊ ዱኽዒ ስለ ዘይዓደግና ማይ ተኸሊእና ይብሉ


ምምሕዳር ዞባ ምብራቕ ድማ “ዘመናዊ ዱኽዒ ምዕዳግ መሰል እዩ” ይብል

ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ወረዳ ኣፅቢ ወምበርታ ጣብያ ሩባ ፈለግ ዝነብሩ ሓረስታይ ሕድሮም ሃይለስላሰን ሙሉ ኣባይን ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ “ዘመናዊ ዱኽዒ ካብ መንግስቲ እንተይዘይ ዓዲግኩም ንመስኖ ዝውዕል ማይ ኣይትረኽቡን ብድሕርኡ ድማ ግራትኩም ክትምንጠሉ ኢኹም ተባሂልና” ብምባል ይጠርዑ::

ኣማሓደርቲ ወረዳን ጣብያን ከምኡ’ውን ሰብ ሞያ ሕርሻ ወረዳን ጣብያን ዘመናዊ ዱኽዒ ምዕዳግ መንግስታዊ ግቡእ እዩ ኢሎም እዮም ዘምህሩ እውን ይብሉ እቶም ሓረስቶት::

ኣብ ወረዳ ኣጽቢ ወምበርታ ብ2002 ዓ/ም ኣብ መደብ ሴፍትኔት ንዝወፈሩን ህጹፅ ሓገዝ ንዝግበረሎምን ሓረስቶት እኽሊ ተይኮነስ ዘመናዊ ዱኽዒ እዩ ተዋሂብዎም ዝበሉ እቶም ሓረስቶት ሻቡ ዱኽዒ ካብቶም ግራት ዘይብሎም ሓረስቶት ዓዲጎም ከምዘቐመጡ ይዛረቡ:: ብድሕሪኡ ዘመናዊ ዱኽዒ ዓድጉ ኣይንዕድግን ብዝብል ምስ ምምሕዳር እቲ ከባቢ ከም ዝተዋጠጡ ይዛረቡ::

ሓረስታይ ሕድሮም ሃይለስላሰ ብተወሳኺ ኣብቲ ወረዳ ሓረስታይ ብስርሑ ከይመዝንዎ ብኣታሓሳስብኡ እናፈለዩ ንስኻ ኣባል ተቓዋሚ ውድብ ዓረና ኢኻ እናበልካ ምርሓቕ ይረአ ብምባል ከምዚ ዝበለ ምግላል ኣብ ልዕለይ በፂሑኒ እዩ ኢሉ ይነቐፍ::

ኣባል ስራሕ ፈፃሚ ምምሕዳር ዞባ ምብራቕ ትግራይ ኣይተ ማሞ ገብረ እግዚኣብሄር ብኣንጻሩ “ዘመናዊ ዱኽዒ ምዕዳግ መሰል እዩ፤ ሓረስታይ ምህርቱ ከሰስን ኣሚንሉ ክዕድግ እዩ ምልዕዓል ዝካየደሉ እምበር ኣይግደድን” ይብሉ::

ተዛረብቲ ብድምጾም ንምስማዕ ኣብ ምልክት ድምጺ ኺዱ፡

XS
SM
MD
LG