ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካብ መቐለ ናብ ኮሚሽን ባህልን መንእሰያትን ኤርትራ ዝተላኣኸ ደብዳቤ ንምሕያል ርክባት


ኢትዮጵያን ኤርትራን
ኢትዮጵያን ኤርትራን

ኣብ ሞንጎ መናእሰያትን ባጽሓትን ትግራይን ኤርትራን ምሕዝነታዊ ውድድራት ዝተፈላለዩ ስፖርታትን ባህላዊ ምርኢትን ንምክያድ ድልየት ከምዘሎን ንዝምልከቶ መንግስታዊ ኣካል ኤርትራ ሕቶ ከምዘቕረበን ቢሮ መናእሰይን ስፖርትን ትግራይ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ቢሮ መናእሰይን ስፖርትን ትግራይ ኣቶ ነጋ ኣሰፋ ንቪኦኤ ከምዝገለጾ ‘ዕላማ’ቲ ስፖርታዊን ባህላዊን ርክብ፣ ነቲ ብክልቲኦም መንግስታት ዝተጀመረ ጻዕሪ ሰላም ንምሕያልን ርክብ ህዝቢታት ናብ ንቡር ንምምላስን’ዩ’ ኢሉ።

‘ድሕሪ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝገበሩዋ ርክብ ኣብ ኣስመራ ዝተራኣየት ታሕጓስ ኣብ ጠቕላላ ህዝቢ ትግራይ’ውን’ያ ተራእያ። ህዝቢ ትግራይ ነዛ ሰላም’ዚኣ ኣዝዩ’ዩ ይምነያ ነይሩ’ ይብል ኣቶ ነጋ ኣሰፋ።

‘ካብ ሚኒስትር ስፖርትን ባህልን ኤርትራ ኣዎንታዊ ግብረ መልሲ ክንረክብ ኢና ዝብል ትጽቢት ኣለና፣ ገለ ኣፋፍኖት’ኳ ሰሚዕና ኣለና’ ኢሉ’ሎ ሓላፊ ቢሮ መንእሰያትን ስፖርትን ትግራይ ኣቶ ነጋ ኣሰፋ።

XS
SM
MD
LG