ኣዲስ ኣበባ —
ኣብ ክልል ትግራይ ቅድሚ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ፡ ናይ ህፁፅ እዋን ደንብታት ተባሂሎም ብህወሓት ዝወፁን ኣብ ስራሕ ዝወዓሉን ሕግታት ንሕገ-መንግስታዊ መስርሕ ዝጠሓሱ ስለዝኾኑ ንኽለዓሉ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ (ሳወት) ሓቲቱ።
ላዕለዋይ መሪሕነት ቢሮ ፍትሒ ግዜያዊ ምምሕዳር ትግራይ ግን እቲ ሕግታት በብእዋኑ ይተርፍ ምህላው ይሕብር። ኣብዚ መዳይ፡ ሰብ-ሞያ ሕጊ’ውን ርእይቶኦም ክህቡ ኣዘራሪብና ኣለና።