ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓደጋ ደርቂን ጥምየትን ኣብ ትግራይ የለን ይብል ቢሮ ሕርሻ'ቲ ክልል


Northern Ethiopia
Northern Ethiopia

ኣብ ሶማልያ፣ኬንያን ኢትዮዽያን ብሚልዮናት ዝቁፀሩ ሰባት ንሓደጋ ደርቂ ተቃሊዖም‘ዮም ዝብል ዜና ካብ ንሰምዕ መዓልታት ተቆፂሮም‘ለው። ንምኻኑ እዚ ሓደጋ‘ዚ ኣብ ሰሜን ኢትዮዽያ ብፍላይ ኣብ ትግራይ ተጋሂዱ’ዶ ይኾን? ናይ ሎሚ ፍሉይ መደብና ነዚ ሕቶ‘ዚ ንምምላስ ክፍትን‘ዩ።

ኣብ ቢሮ ሕርሻ ትግራይ ሓላፊ ክፍሊ ቅድመ መጠንቀቅታን መፅናዕቲ ውሕስና መግቢን ንዝኾኑ ኣቶ ዓለም ቢሰጥ፣ኣብ መላእ ትግራይ ኣስታት 385 ሽሕ ተሓገዝቲ ኣለው።ካብ‘ዚ ዝሓለፈ ግና ደርቂን ጥምየትን ኣብ ትግራይ ስግኣት ኣይኮነን፣ልዕሊ ኩሉ ኣብ ዝኾነ ወረዳ ንዝቀላቀል ሓደጋ ቀልጢፍካ ንምቁፅፃር ዘሕግዝ ናይ ሓበሬታ መስመር ዘርጊሕና ኢና ኢሎም።

ነቲ ቃለ-መጠይቅ ኣብ ናይ ሶኒ መደብና'ውን ክትሰሙዎ ትኽእሉ ኢኹም

XS
SM
MD
LG