No media source currently available
ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ እዋን ኲናት ክታበት እንስሳት ብዘይምንባሩ ኣብ ልዕሊ ጥዕና ሕብረተሰብን እንስሳን ጉድኣት የብፅሕ ከምዘሎ ቢሮ ጥዕና እቲ ክልል ገሊፁ። ኣብ ቀረባ መዓልታት ኣብ ወረዳ ሕንጣሎ እቲ ክልል ካብ እንስሳት ናብ ሰብ ብዝመሓላለፍ ሕማም ካብ ዝሓመሙ 22 ሰባት እቶም ኣርባዕተ ህይወቶም ምሕላፉ እቲ ቢሮ ኣፍሊጡ። እቲ ሓደጋ ስጋ ዝሓመመ ብዕራይ ድሕሪ ምብላዖም’ዩ ኣጋጢሙ።